Top Tweets for #KESKESE
The #Eritrea Festival 2025 opens on August 9th at #Keskese_Expo, showcasing national culture, while Inkodo, a meat processing facility under the Corporation for Trade and Services, provides slaughter services for institutions and individuals in the Central Region.
ሪፖርታዥ
‘ኢንኮደ’፡ ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከብ ትካል
መርሃዊ ገብረሚካኤል
ዓመታዊ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ወኒ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 ብቐዳም 9 ነሓሰ መጋረጃኡ ብምኽፋት፡ ኣጋይሹ ኣብ ምእንጋድ ይርከብ ኣሎ። ፈስቲቫል ኤርትራ ክንዮ’ቲ ኣብ መንጎ ብሄራትን ዞባታትን ዝፈጥሮ ሓድሕድ ናይ ተመክሮ ምልውዋጥ ኣጋጣሚ፡ መንእሰያት፡ ቈልዑን ህጻናትን ኣፍልጦኦም ኣብ ምዕባይን ኣብ ምልላይ ኤርትራዊ ባህሊን ዘለዎ ተራ ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኮነን።
ፈስቲቫል ሃገርና ብትሕዝቶ ባህላዊ መሰናድኦታት ትልሂትን ሙዚቃን፡ ኣፋዊ ያታታት፡ ያታዊ ኣባይቲን መነባብሮን፡ መደባት ቆልዑን ህጻናትን፡ ሕርሻዊ ምህርቲ ንጥፈታት ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእቲን፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ውጽኢት ጥበብ ምህዞን ሰንዓን፡ ምርኢት ቅብኣ፡ ምርኢት መጽሓፍቲ፡ ቁሸት ዞባታትን ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ዘቕረበኦ ፍርያት ኣዕለቕሊቑ እዩ ዝቕኒ።
ህዝቢ፡ ንፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ውሽጢን ወጻኢን ብሃንቀውታ ክዕዘቦን ክነግዶን ዘገድዶ ምኽንያት ድማ እዚ ሕብረ ብዙሕነት ባህልን ብሄራትን ሃገርና ማእከል ዝገበረ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ኣብኡ ዝቐርብ ፍርያትን እዩ።
ብወገንና፡ ኣብዚ ብጥሉል ክራማት ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ኣብ ትሕቲ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ተጠርኒፉ ንጥፈታቱ ኣብ ምስልሳል ንዝርከብ ትካል ኢንኮደ ዘላሊ ትሕዝቶ ኢና ሒዝና ቀሪብና ዘለና። ንሓፈሻዊ ድሕረ ባይታን ንጥፈታቱን ኣመልኪቱ ኣብ መሕረዲ ስጋ ባርካ ካናሪ ቁጽሪ 3 ሓላፊ ምህርቲ ስጋ መንእሰይ ናሆም ሳሙኤል ዝሃበና ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይስዕብ።
ትካል‘ኢንኮደ’፡ ኣብ 2016 ኣብ ትሕቲ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእቲ ተሓቚፉ ንጥፈታቱ ከሰላስል ጀሚሩ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ዘድሊ ናይ ትሕተ ቅርጺ ምምሕያሻት ብምውዳድ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ሕርዲ ይርከብ። ኢንኮደ፡ ክሳብ 2022 ንምክልኻልን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ጥራይ’ዩ ኣገልግሎት ዝህብ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግና፡ ንኹሉ ንጥፈታት ምሕራድ ከብቲ ዋላ’ውን ነቲ መሕረዲ ስጋ ዞባ ማእከል ማቸሎ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ጠርኒፉ ንኹሉ ብኣድማዕነት ዝዓይይ ዘሎ ትካል እዩ።
ኢንኮደ ሓፈሻዊ ሰለስተ ዓይነት ኣገልግሎት ይህብ። ቀዳማይ ቀረብ ስጋ ንመግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት፡ ካልኣይ ንጥፈታት ሕርዲ ማቻላዮ ምዕማም፡ ሳልሳይ ድማ ንውልቀ ሰባት ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕርዲ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት ኣገልግሎት ሕርዲ ንክረኽብ ትካል ኢንኮደ ወትሩ ክፉት ምህላዉ ዝገለጸ መንእሰይ ናሆም፡ ኢንኮደ ኣብ መዓልቲ 142 ከብቲ ከም ዝሓርድ የመልክት።
እዚ ብምሉእ ደገፍ ማሽነሪታት ኣገልግሎት ዝህብ ትካል፡ ካብቲ ልምዳዊ ወይ ኣብ መሬት ኣውዲቕካ ዝካየድ መስርሕ ሕርዲ ካብ ዝወጽእ ሓያሎ ግዜ ኣቑጺሩ ይርከብ።
ሓደ ከብቲ ናብ መሕረዲ ቅድሚ ምቕራቡ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት’ዚ ትካል ከም ዝጸንሕ እዩ ዝግበር። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ቅድመ-ሕርዲ ዘሎ መርመራ ንምክያድ እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ከብቲ ዝኾነ መግቢ ክወስድ ዝፍቀድ ኣይኮነን። እዚ ኣገባብ ድማ እቲ ብዕራይ ብልክዕ ክንደይ ሚዛን ስጋ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕርዲ ብኩል መግቢ ምስ ዝወስድ ኣብ ጥዕና ናይ’ቲ ብዕራይን ኣብቲ ድሕሪ ምሕራዱ ዝርከብ ስጋን ክስዕብ ንዝኽእል ጸገማት ንምውጋድ ስለ ዝሕግዝ እዩ። ንኹሉ ደጋዊን ውሽጣዊን ኣካላቱ ብግቡእ ዝምርምሩ ኣካላት ስለ ዘለዉ ብኹሉ መለክዒታት ብቑዕ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ጥራይ ድማ’ዩ ሓደ ከብቲ ንክሕረድ ናብ ዝቕጽል መስርሕ ዝሓልፍ።
ኣብ መስርሕ ሕርዲ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ከም ዘለዉ እዩ ክኢላ ምህርቲ ስጋ መንእሰይ ናሆም ዝገልጽ። ቀዳማይ ደረጃ፡ ምውዳቕ ይበሃል። እዚ መስርሕ’ዚ ብ ‘ቡናለ’ ተባሂላ እትፍለጥ መሳርሒ ካራ ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ክሳድ ናይ’ቲ ከብቲ (spinal cord) ከም ትኣቱ ይግበር። ድሕሪ’ዚ እቲ ከብቲ ሃለዋቱ ስለ ዘጥፍእ ኣብ መሬት ይወድቕ። ካብዚ ብምቕጻል ተጎቲቱ ብቕልጡፍ ከም ዝሕረድ ይግበር። ኣብዚ ደረጃ ደም ብግቡእ ናብ ዝእከበሉ ቦታ እዩ ዝኸይድ። ምናልባት ንኻልእ መዓላ ክውዕል ምስ ዝድለ ከኣ ናብ መርመራ ይቐርብ። ስጋ ውሑስን ብቑዕን ንክኸውን ወትሩ ናይ ምሕጻብ መስርሕ’ዩ ዝካየደሉ።
ካብዚ ስዒቡ ዝመጽእ ካልኣይ ደረጃ መስርሕ ሕርዲ ድማ እቲ ዝነውሐ መስርሕ እዩ። ከብቲ ካብ ምድሪ ልዕሊ ኢሉ ቁልቁል ኣፉ ከም ዝንጥልጠል ይኸውን። እዚ ኣገባብ’ዚ ካብቲ ልምዳዊ ፍልይ ዝበለ ጥቕሚ ኣለዎ። ስጋ ካብ ዝተፈላለየ ብከላ ነጻ ክኸውን፡ ከምኡ’ውን ደም ካብ መላእ ኣካላት ንኽሃፍፍ ሓጋዚ እዩ። እዚ ኣገባብ፡ ኣብ ጥዕና ስጋ እወታዊ ተራ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ስጋ ደም ምስ ዝህሉ፡ rigo mortis ከጋጥም ይኽእል። እዚ ማለት እቲ ስጋ ፈርፈርታ የርኢ። እዚ ድማ ደም ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ምእላዩ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ።
ካብዚ ብምቕጻል ቆርበት ናይ ምእላይ ንጥፈት እዩ ዝካየድ። ኣብዚ፡ ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። መለለዪ ቁጽሪ ናይቲ ከብቲ ኣብ ቆርበቱ ወይ ኣብ እዝኑ ስለ ዝጸሓፍ ድሕሪ ቆርበት ምእላይ ምድንጋር የጋጥም’ዩ ዝብል ርድኢት እዩ።
ሓላፊ ምህርቲ ስጋ መንእሰይ ናሆም ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብል። “ቆርበት ምሉእ ብምሉእ ካብ ስጋ ቅድሚ ምፍላዩ መለለዪ ቁጽሪ ናይቲ ከብቲ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ናይቲ ስጋ እዩ ዝልጠፍ። ቆርበት ድሕሪ ምእላዩ’ውን ብቐጥታ ኣይጐሓፍን እዩ። ኣብ መጽንሒ’ዩ ዝቕመጥ። ከም ብዓል ጨጎራን መዓንጣን ዝኣመሰሉ ኣካላት ከኣ መለለዪ ማሕተም ብምግባር፡ ብከላ ከስዕቡ’ውን ስለ ዝኽእሉ ካብ ስጋ ተፈልዮም ብግቡእ ተሓጺቦም ይጸንሑ። ካብዚ ብምቕጻል እቶም ውሽጣውያን ኣካላት ከም ከብዲን ኩሊትን ከምኡ’ውን ርእሲ፡ መለለዪ ቁጽሪ ብምግባር ኣብ ክፍሊ መርመራ ዳግማይ ይምርመር። እዚ ዝኾነሉ ምኽያት ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሕርዲ ዘይተነጸረ ተርእዮታት ኣብ ድሕሪ ሕርዲ ክንጽር ስለ ዝኽእል እዩ። እዚ ከኣ ዝያዳ ውሑስን ጥዕናኡ ዝተረጋጋጸን ስጋ ናብ ህዝቢ ንምብጻሕ ዝዓለመ ንጥፈት ኮይኑ፡ ስጋ ናብ ልክዕ ዋናኡ ከም ዝበጽሕ ይግበር።”
ናይ ገለ ከብቲ፡ ኣብ ድሕረ ማሕረዲ(post-slaughter) ስጋኦም ተመርሚሩ ናብ ህዝቢ ክመቓራሕ ዘይብቑዕ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ድማ ቅድሚ ሕርዲ ዘይተራእየ ምልክታት ኣብ ድሕሪ ሕርዲ ክረአ ስለ ዝኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ከፊላዊ ኣካል ናይ’ቲ ስጋ ተቘሪጹ ክጐሓፍ ይኽእል። ስለዚ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣፍልጦ ህዝቢ ክዓቢ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ገለ ሰባት እቲ ስጋ ከመይ ኢሉ ካብ ካልእ ክፋል ኣካላት ንበይኑ ክሓምም ይኽእል ብምባል፡ ኮነ ኢልካ ናይ ምጉሓፍ መስርሕ ዝተኻየደ ክመሰሎም ከም ዘይብሉ መንእሰይ ናሆም ይሕብር። ንሱ ኣስዒቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝተጓሕፈ ስጋ ምኽንያት መጕሓፊኡ ብንጹር ዝገልጽ ጽሑፍ’ውን ንዋናታት ከም ዝወሃብ ይገልጽ።
ሳልሳይ ደረጃ፡ ስጋ ናብ ዘዕርፈሉ ክፍሊ’ዩ ዝሰግር። ኣብዚ ክፍሊ፡ ስጋ ካብ 3 ክሳብ 12 ሰዓታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ዝተረፈ ደም ብግቡእ ንኽነቅጽ ይሕግዝ። ድሕሪ’ዚ ብቐጥታ ናብ ሚዛን ይኣቱ። ብፍላይ እቲ ከብቲ ናይ ኮርፖረሽን ምስ ዝኸውን፡ ሰለስተ ግዜ’ዩ ዝምዘን። ብህይወቱ እንከሎ፡ ኣብ ካርካስ (CARCASS) ምስ ተሓርደን ኣብ መወዳእታ ከኣ ጽሩይ ስጋ ኮይኑ ምስ ወጽአን። እዚ ዝህቦ ጥቕሚ ከኣ ንድሕረ ባይታ ናይ’ቲ ከብቲ ከም መወከሲ ከገልግል ከምኡ’ውን ትጽቢት ስጋ ንምግምጋም ስለ ዝሕግዝ እዩ። ምኽንያቱ ትካላት ስጋ ደልዮም ኣብ ዝመጽኡኻ፡ “ክንደይ ኪሎ ስጋ እምበር፡ ክንደይ ኣብዑር ስጋ ትደልዩ?” ኢልካ ክትሓትት ስለ ዘጸግም እዩ። ነዚ ንምግምጋም ድማ እቲ ብዕራይ ኣብ carcass ከምኡ’ውን ቅድሚን ድሕሪን ምሕራዱ ንዘሎ ሚዛን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንቀረብ ስጋ እተን ትካላት ዝምጥኑ ከብቲ ክትሓርድ ስለ ዘገድስ እዩ።
ስጋ ከብቲ ኣብ ካርካስ ተመዚኑ ምስ ወደአ ናብ ኣርባዕተ ክፋላት ይምቀል። መለለዪ ቁጽሪ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ይጸሓፍ። ብፍላይ ትካላት ጠለባት ምስ ዘቕርባ ስጋ እምበር ዓጽሚ ኣይስደደለንን እዩ። ስለዚ ስጋን ዓጽሚን ናብ ዝፈላለየሉ መስርሕ DEBONE ምስጣይ እዩ ዝሰግር። ኣብ ካርካስ ኩሉ ምስ ወድአ ካርካስ ምባል ተሪፉ ንበይኑ ብዘይ ዓጽሚ ደው ክብል ስለ ዘይክእል ስጋ ጥራይ ይኸውን። ናብ ካሴታታት ተመሊኡ ከኣ ናብ ክፍሊ ስብሒ ይለኣኽ። ብክኢላታት ስብሒ ምስ ተኣልየ ከኣ ጽሩይ ስጋ ይርከብ። ድሕሪ’ዚ፡ ናይ ምዕሻግ መስርሕ ብምክያድ ንነፍሲ ወከፍ ትካል ብመጠን’ቲ ዘቕረበቶ ጠለብ ናብ ቦታኣ ይበጽሓ።
ንትካላት ወይ ውልቀ ሰባት ከከም ጠለባቶም ዝበረደ (frozen) ወይ ፍረሽ ስጋ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ዘለዎ ትካል ኢንኮደ፡ ንውልቀ ሰባት ብዓይነቱን ብዋግኡን ፍልይ ዝበለ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ። “መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት፡ ዓበይቲ እንስሳታት እምበር ጤለ-በጊዕ ዘይንሓርድ እዩ ዝመስሎም” ዝበለ ናሆም፡ ንሓደ ጤለ- በጊዕ ኣብ ውሽጢ 25 ደቒቕ ብ140 ናቕፋ፡ ንዓበይቲ ድማ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓታት 30 ከብቲ ብሓገዝ ማሽነሪታት ንነፍሲ-ወከፈን ብ700 ናቕፋ ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ከም ዝህቡ ኣረዲኡ። ኣስዒቡ “ጤለ-በጊዕ ኩሉ መዳያዊ መርመራታት ይካየደሎም። እዚ ድማ ጥዕና ናይቲ ስጋ ኣብ ስድራ-ቤት ኣሉታዊ ጽልዋ ከየምጽእ፡ ከምኡ’ውን ጸገም ዘለዎ ስጋ ኣብ ውሽጢ መሕረዲ ከይኣቱ ጥቡቕ ምክትታል ስለ ዝግበሮን እዩ” ኢሉ።
ንመለለዪ ቁጽሪ ስጋ ዘጽሕፍ ሕብራዊ ቀለም ምስ ናይ ፕሪንተር ተመሳሳሊ እዩ ዝብል ርድኢት ኣሎ። እዚ ከመይ እዩ ምስ በልናዮ፡ “እዚ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ። ንሕና ከምኡ ዓይነት ቀለም ኣይኮንናን ንጥቀም” ዝበለ ናሆም፡ እቲ ዝጥቀሙሉ ቀለም ኣብ ጥዕና ደቂ ሰብ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ እዩ ኣብሪሁልና።
መንእሰይ ናሆም ኣብ መወዳእታ፡ “መብዛሕትኡ እዋን ሳንቡእ ንኸልቢ እዩ ዝወሃብ። ብፍላይ ጥዕናኡ ዘይተመርመረ ስጋ ምስ ዝኸውን ካብ ክትጉሕፎ ንከልቢ ክወሃብ ዝምረጸሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ እዩ። እዚ ግን ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ፡ ከልቢ ብቀጥታ ምስ ኣባል ናይቲ ስድራ- ቤት ስለ ዝራኸብ፡ ሕማም ካብ ናብ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ እዩ ዘዕቢ። ስለዚ ህዝቢ ካብ ከምዚ ክቑጠብ ኣለዎ” ክብል ሞያዊ ሓበሬታኡ ኣካፊሉና።
ኢንኮደ ጨንፈር ባርካ ካናሪ ቊጽሪ 3 ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኮይኑ ብክኢላታት ጽሬት፡ ምሕደራ፡ ቁጽጽር ብቕዓት፡ ኣፍራይነትን ሓካይም እንስሳታትን ዝቖመ እዩ። ኢንኮደ ዕማማቱ ንህዝቢ ንምልላይ ፍርያቱን ክኢላታቱን ሒዙ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ይርከብ። ብጽሑዎ ኣፍልጦኹም ኣብ ምስፋሕ ክሕግዘኩም እዩ። ርሑስ ቅንያት ፈስቲቫል ኤርትራ።

keskesevgilim olsa
@keskeseni Genitale sürülür mü aşkım
Last Seen Hashtags on Sotwe
beuretteakhel
Seen from France
yuyui
Seen from India
日の出桟橋
Seen from United States
granny
Seen from Turkey
คลิปหลุดเบบี๋สุพรรณี
Seen from Thailand
cocolovelock
Seen from Turkey
hijab #hijabi #hoejabi
Seen from Sweden
sylus
Seen from United States
türbanlıolgun
Seen from Turkey
maletickling
Seen from Korea
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
239.6M followers

Barack Obama 
@barackobama
118.6M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.3M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.7M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
106.9M followers

Rihanna 
@rihanna
98.6M followers

NASA 
@nasa
92.1M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.7M followers

KATY PERRY 
@katyperry
89.9M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
83.9M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.4M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.3M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.8M followers

YouTube 
@youtube
68.6M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.3M followers

Bill Gates 
@billgates
65.1M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.1M followers

CNN 
@cnn
61.7M followers

X 
@x
60.6M followers




