Top Tweets for #Fenqil36
“ሎሚ በዚ ፈንቅል ተሰምዩ ዘሎ ስርሒት ነታ ደርግ ጎረሮና ዝብላ፡ ከተማ ባጽዕ ሓራ ኣውጺእና ንደርግ ንዘልኣለም ጎረሮኡ ክንበትኮ ኢና፡ ባጽዕ ዳግማይ 77 ኣይትኸውንን እያ” ብጻይ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ
#Massawa #FenqilOperation #Fenqil36 #FenkilAt36 #GloryToOurMartyrs #Fenkil36 #EPLF #Eritreans #Eritreaprevails #Shaebia
#GloryToOurMartyrs 🇪🇷🕯✊🏾

ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ከም መራሒት ጋንታ
ሚርያም ዮሴፍ
መብራት ሓድጉ ትበሃል፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግድፍ ትሰርሕ ሓርበኛ እያ። መብራት ካብ ስርሓ ንገዛኣ መዓልታዊ ብእግራ ክትጉዓዝ ምስ ረኣኻ፡ ኣብ ኣካላታ ዘሎ ብዝሒ ማህረምቲ ግዲ ከይሃበት ብሞራል መነባብሮኣ ትመርሕ ኣደ ምዃና ክትርዳእ ኣይትሽገርን። መብራት፡ ጓል 16 ዓመት ከላ፡ ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፋ። ካብ እዋን ምዝላቕ ክሳብ ዛዛሚ ኲናት፡ ኣብ ከበድትን ፈኮስትን ውግኣት ተሳቲፋ፡ ልዕሊ 6 ግዜ ዝተወገአት ተጋዳሊት እያ። እዚ ሕጂ ሸናዕ እናበልና ነስተማቕሮ ጎደናታት ከተማ ምጽዋዕ፡ ንሳ ኣብ ስርሒት ፈንቅል መራሒት ጋንታ ኮይና ዝተዋጋኣትሉን ዘዋጋኣትሉን ስፍራ እዩ። ዘለዋ ጦብላሕታ ድማ ነዚ ይመስል።
=> ወ/ሮ መብራት መዓስን ብኸመይ ኢኺ ተሰሊፍኪ?
ኣብ ሓምለ 1978፡ ካብ ዓዲ ሓወሻ እየ ተሰሊፈ። ኣብቲ እዋን ድፋዓት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓዲ ሓወሻ ነይሩ። ከም ኩሉ ምስ ተጋደልትን ምስ ሰውራ ኤርትራን ምትእስሳር ዝነበሮ መንእሰይ፡ ኣነ’ውን ኣብቲ ግዜ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ተጋደልቲ ይተሓጋገዝ ነይረ። ኣብ 1978፡ ማለት ኣብ እዋን ምዝላቕ ግን ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተጋደልቲ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ቤቱ ኣዝሊቑ እዩ። ኣብዚ ግዜ፡ ስርዓት ደረግ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውርዶ ዝነበረ ግፍዕታት፡ ራስያን ቅትለትን ንመንእሰያት ሓያል ናይ ምቅላስ ድርኺት ፈጢሩ እዩ። በዚ ጽልዋ’ዚ ድማ ናብ ሜዳ ኤርትራ ተሰሊፈ።
=> ቅድሚ ስርሒት ፈንቅል ዝነበረ ኩነታት ከመይ’ዩ ነይሩ? ኣበይ’ከ ነይርኪ?<cSize:>
ቅድሚ ፈንቅል ኣብ ገልጠም ዝተባህለ ቦታ ኢና ነይርና። ኣብ መወዳእታ 1989 ማለት ወርሒ ቅድሚ ስርሒት ፈንቅል፡ ውግእ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ነይሩና። ብዛዕባ እዚ ብጀካ እቶም ዝምልከቶም ሓለፍትና ካልእ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ነዚ ዕማም ንምፍጻም፡ ብርጌዳት 20ን 71ን ናይ ክፍለ ሰራዊት 70 ዝርከበአን ኣሃዱታት ምስ ኣሃዱ ከቢድ ብረት፡ ኮማንዶን ካልእን ካብ ጸላኢ ይኹን ካብ ወገን ተሰዊርና ኢና ነይርና። ካብ ገልጠም ተበጊስና ኣብ ዒላ ዓብደላ ዝበሃል ቦታ ሰሙን ጸኒሕና። ኣብቲ ቦታ ዝኾነ ይኹን ርክባት፡ ምንቅስቓስ፡ ወይ’ውን ህላወና ዝሕብር ዝኾነ ንጥፈታት ካብ ምግባር ተቖጢብና ኢና ነይርና። ካብዚ ቦታ ተበጊስና ድማ ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜትር ተጓዒዝና ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን በጺሕና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ብሓለፍትና ንኣሶሳ ክንድምስሳ ምዃንና ተሓቢሩና።
ኲናት ኣብ ዘይትፈልጦ ቦታ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆ ኣለዎ። መሬት ኢትዮጵያ ምስ ኣተና ብኣግራብ ዝተሸፈነ ሰፊሕ ቦታ ጸኒሑና። ነቲ ለምለም መሬት ኢትዮጵያ ምስ ረኣና፡ ኣነ ይኹን ኩሎም ብጾተይ፡ ኢትዮጵያውያን እምበርዶ ሽሻዮም ይፈልጥዎ እዮም፡ ክንድዚ ዝኣክል ሃብታም መሬት ከለዎም ዘይዓዶም ክወሩ ሂወትን ሃብትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘጥፍኡ ኢልና ተገሪምና።
ብድሕሪኡ ማለት፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ነቲ ተዋጊእና ዝሓዝናዮ ከተማ ነቶም ኣንጻር ደርግ ዝዋግኡ ዝነበሩ “ግንባር ሓርነት ኦሮሞ” ኣረኪብናዮም ናብ ዝነበርናዮ ቦታ ተመሊስና። ሓምሽተ መዓልቲ ምስ ኣዕረፍና ድማ ናይ ተበገስ ትእዛዝ ተዋሂቡና። ካብ ግንባር ሓልሓል፡ ኣፍዓበት ሰንጢቕና ሽዕብ በጺሕና። ተልእኾና ባጽዕ ንምሓዝ ምዃኑ ከኣ ብብጻይ ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ተሓቢሩና።
“ሎሚ በዚ ፈንቅል ተሰምዩ ዘሎ ስርሒት ነታ ደርግ ጎረሮና ዝብላ፡ ከተማ ባጽዕ ሓራ ኣውጺእና ንደርግ ንዘልኣለም ጎረሮኡ ክንበትኮ ኢና፡ ባጽዕ ዳግማይ 77 ኣይትኸውንን እያ” ኢሉ ብርእሰ ምትእምማን ገሊጹ ካልእ ክውስኽ ምስ በለ ኩልና “ኣይትኸውንንያ” ብምባል ጨሪሕና።
=> ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ጋንታ መሪሕኪ ኢኺ ተሳቲፍኪ፣ እቲ ዝነበረ ኩነታት ከመይ ትገልጽዮ?
ኲናት ክትዛረበሉ ቀሊል እዩ። ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ምስቲ ናይ ኣሶሳ ውግእ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ጸኒሕና ናብ ካልእ ዝዓበየ ኩነታት ንቕጽል ብምንባርና ክብደት ነይሩዎ። ካብ ገልጠም ናብ ባጽዕ ክልተ መዓልቲ ብእግሪ ተጓዒዝና ኢና ኣቲና። ጋንታና፡ “ነቲ 77 ኣብ ሳሊና ዝተቐብረ ሬሳታት ብጾትና ረጊጽና ክንሓልፍ ስለ ዝኾንና፡ ሕድሪ ሰማእታትና ከነኽብር ሃንቀውታ ህዝብና ክንምልስን ተቢዕና ክንዋጋእ ኣለና” ብዝብል ናይ ሓባር መንፈስ ኢና ናብቲ ኲናት ኣቲና።
ውግእ 8 ለካቲት 1990 ጀሚሩ። እቲ ዝዓበየ ዓወትና’ውን ዕለት 8 እዩ ዝጅምር። ንሕና ብጸጋማይ ክንፊ ኢና ኣቲና። ጎላጉል ባጽዕ ዝኾነ መከላኸሊ ከውሊ ይኹን ገረብ ዘይነበሮ ቦታ ብምዃኑ፡ ታንክናን ሰብናን ብሓንሳብ እዩ ዝስጉም ነይሩ። እቲ ቦታ ናብ የማን ይኹን ጸጋም ከውሊ ኣይነበሮን። ድሕሪ ጽዑቕ ኲናት፡ ጸጋማይ ክንፊ፡ ናብ እንዳ ስሚንቶ በጺሕና። ዕለት 9፡ እቲ ንመጥቃዕትና ክጻወር ዘይከኣለ ጸላኢ ዝማረኽ ተማሪኹ ዝሃድም ሃዲሙ። 10 ለካቲት፡ በጦሎኒና ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ተኣሳሲራ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሳ ኣብ ከባቢ እንዳ ስሚንቶ ዕማማ ዛዚማ፣ ናብ ናቫል በይዝ ኢና ኣቲና። ኣብዚ ኣሃዱታትና ከቢድ ምርብራብ ገይረን፣ ብዙሕ ዋጋ’ውን ከፊለን እየን። ንምሸቱ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ ናብ ዕዳጋ ተመለሱ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቡና። ንዕዳጋ ድማ ብመንገዲ ባቡር ኣቢልና ከባቢ ሰዓት 7፡00 ድ.ቀ ኣቲና። ኣሃዱና ድሕሪ ናይ ኣሶሳ ኩነታት ከምኡ’ውን ኣብ ስርሒት ፈንቅል ብዝተኸፍለ መስዋእትን መውጋእትን ዝጎደለ ዓቕሚ ነይሩና። ምስ ክብደት ናይቲ ኩነታትን ዝነበርናዮ ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው ግን ኣሃዱና ዝሓሸ ዋጋ ዝኸፈልና ኢና ነይርና። ድሕሪ ከበድቲ መጥቃዕታትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ድማ፡ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ሓራ ኮይና።
ዝበዝሐ ክፋል ባጽዕ ሓራ እኳ እንተወጸ፡ ኣብ ጥዋለት ሓደ ጀነራል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ከይወጽእ ድፋዕ ገይሩ 5 መዓልታት ገይሩ ነበረ። ብሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ጅሆ ሒዝዎ ዝነበረ ህዝቢ ለቒቑ ኢዱ ምስ ዘይህብ ክድምሰስ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ግን ካብ ኣስመራ ብኣጋርን ነፈርቲ ኲናትን፡ ብዓሰብ ድማ ዘመናዊ ናይ ውግእ መራኽብ ዝዓጠቐ ሰራዊት ይመጽኣካ ኣሎ ስለ ዝተባህለ፡ ነቲ መዓልታት ከናውሖ መረጸ። ዝተዋህቦ መዓልታት ምስ ወድአ ድማ፡ ህዝባዊ ግንባር ብ15 ለካቲት ሰዓት 6 ምሸት፡ ብመሬት ብስጋለት ቀጣን ብባሕሪ ድማ ብርእሲ ምድሪ መጥቃዕቲ ከፈተ።
ጋንታና ምስ ስለያ ክፍለ ሰራዊት 70 ብማእከል ጽርግያ ስጋለጥ ቀጣን፡ ብየማንን ጸጋምን ጫፍ ባሕሪ ክንኣቱ ተሓቢሩና። ስጋለት ቀጣን ከምዛ ኣብ መንጎ ክልተ ባላ ዝተተኽለት መስጥሒ ክዳን እያ። በዛ ቀጣን ገመድ የማን ጸጋም ሰንከል ከይበልካ ምሕላፍ እዩ እቲ ዕማም።
ጸላኢ ነዛ ሓደ ኪሜ ዘይትኣክል መንገዲ ካብ ካላሽን ጀሚርካ ክሳብ፡ መዳፍዕ፡ ረሻሻት፡ ጸረ ሚሳይል፡ ታንክታት ገይሩ ዓጊትዎ እዩ ነይሩ፡፡ ብወገንና’ውን ኣብ ሲነማ ኣይዳን ቶታልን ኣጽዋር ተጻዊዱ ነይሩ እዩ።
ሰዓት 6፡30 ኣጋ ምሸት፡ ማእከልነት ቦጦሎኒ ብጻይ የማነ ጠዓመን መራሒት ሓይሊ ፍዮሪ መሓሪ (ጓል መሓርን)፡ ዘወሃሃዱዋ፡ ሓይልና ብየማንን ጸጋምን ናይቲ ባሕሪ ንመጥቃዕቲ ተበጊስና።
ኣነ ዝመርሓ ጋንታ ድማ ካብ ቶታል (እንዳ ነዳዲ) ንየማን ብማእከል እቲ ልዕሊ መዓጥቖና ዝበጽሕ ማይ ባሕሪ ተበጊስና። ኣብቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ውግእ ታንከኛታትን ኣጋር ሰራዊትን ጸላኢ ጠኒኑ ይኣቱ ብምንባሩ ብዙሕ መውጋእትን መስዋእትን ኣጋጢሙና እዩ።
ሰዓት 7፡30 ኣቢሉ እቶም ብሰለስቲኡ መኣዝን ዝተበገስና፡ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ሕጂ ሓወልቲ ተሰሪሕዎ ዘሎ ቦታ በጺሕና። ብወገን ምብራቕ ብጀላቡ ተጻዒኖም ኣብ ርእሲ ምድሪ ዝነኸሱ ሓይልታትና ድማ ኣብ ከባቢ ወደብ በጺሖም።
ኣብ ጥዋለት፡ ነተን ጠያይትን ቦምባታትን ወዲአን ዝነበራ ታንክታት ጸላኢ ብኣርፒጂ ክንሃርመን ምስ ፈተንና፡ ከምዚ ኣብ ዓውዲ ዝወደቐ እኽሊ ኣብዑር ዘንጠቕጥቕዎ፡ ክረጋግጻና ሸንኮለል ኢለን። ታንክታትና’ውን ከም ኣባእሳ ኣብዑር ገጽ ንገጽ ገጢመንአን። ክረግጻና ምስ ደለያ፡ ናብቲ ፍርስራስ ፓላሶታት ኣቲና። መሬት ወጊሑ ክሳብ ዝዓርብ ካብ ፓላሶ ናብ ፓላሶ፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ምቕያር ኮይኑ። ሰዓት 8 ናይ ምሸት ግን፡ ኩሉ ዘፍ ኢሉ ኣብ ዘዘለናዮ ሓዲርና።
ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ኣብታ ዝነበርናያ ቦታ፡ ብድሕሪት ዝገደፍናዮ ማእከልነት ጋንታ መጺኡኒ። እንታይ እዋንካ ሰጊርካ እናበልክዎ፡ ኣብቲ ፓላሶ ዝጸንሐ ወተሃደር ጸላኢ ሃሪሙ ኣውዲቑልና። ሬድዮ ናቱ ኣልዒለ፡ ገዛ-ገዛ ኣቲና እናፈተሽና፡ ንግሆ ሰዓት 8፡ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ወተሃደራት ተኲሶምልና። እታ ሓንቲ እግረይ ናይ ቅድሚኡ ማህረምቲ ነይሩዋ፡ እታ ጥዕይቲ እግረይ ድማ ኣብኣ ተወጊአ። ኣብታ እዋን ካብ ሓይልና፡ ኣነን ወዲ ሓውስን መራሕቲ ጋንታታት፡ ጓል መሓሪ መራሒት ሓይሊ ተወጊእና ወጺእና።
ብሓፈሻ፡ ንሕና ኣብ ከባቢ፡ ናቫል በይዝን እንዳ ስሚንቶን ኣብ ዝነበርናሉ፡ ኣብ ስጋለት ቀጣን ከቢድ ኲናት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ጨው ቀትሪ ስለ ዝነበረ ተጋዳላይ እናረኣኻዮ እዩ ኣብ ማእከል ጽርግያ ዝወድቕን ኣብ ባሕሪ ዝጥሕልን ነይሩ። እዚ እናኾነ ግን ሳላ እቲ ብተደጋጋሚ ዝተኻየደ ህጁማት፡ ጸላኢ ዘፍ ኢሉ። ንስጋለት ቀጣን ከኣ ጥሒስና ክንሓልፍ ኣኽኢሉና። ኣነ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ካብ ዝተገብረ ውግኣት፡ ኣብ ናይ ባጽዕን ኦምሓጀርን እየ ተሳቲፈ። ኣዝዩ ከቢድን ሓያል ምትሕንናቕን ዝነበሮ ውግኣት’ዩ ነይሩ።
=> ጋንታ መሪሕኪ ኣብ ዝዓበየ ስርሒታት ምስታፍኪ እንታይ ይስምዓኪ?
የሐብነኒን የሐጉሰንን። ይዘከረኒ ዕለት 15 ስጋለት ቀጣን ክንኣቱ ከለና ወዲ ራእሲ ንብሎ ብጻይና፡ ኣባላት ዜና ክሓቱኺ ደልዮም ኢሉኒ። ኣርኪብካሉ ዲኻ ሕጂ ዜና ትብል ክብሎ እዝከረኒ። ምኽንያቱ ኣብ ከምኡ ዓይነት ኩነታት፡ ታንክታት ኣብ ቅድመና ተገዲመን እናረኣኻ ምዝራብ ኣይረኣየካን እዩ። ብቐንዱ’ውን ጥዑይ ኣፍልጦ የድሊ ነይሩ።
=> ኣብ መወዳእታ ዝነበረ ኩነታት’ከ?
ንባጽዕ እናተዋጋእና ኣቲና፡ ከምቲ ዝገለጽኩዎ ድማ ኣነ ኣብ መንጎ ተወጊአ’የ ወጺአ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ መውጋእተይ ምስ ሓሸኒ፡ ነታ ዝተወጋእኩላ ቦታ ክርእያ ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ ኣብ ጥቓ ስጋለት ቀጣን ክበጽሕ ከለኹ፡ ነፈርቲ ኲናት ደርግ መጺአን፡ ‘ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት’ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ በረኻ ውዒሉ ናብ ሰናይ መነባብሮኡ ዝምለስ ዝነበረን ኣብ ቃልዕ ቦታ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ዝጀመረን ሰላማዊ ህዝቢ፡ እቲ “ብቕብጸት” ዝፍለጥ ዘስካሕክሕ ደብዳብ ኣዝኒበን። ኣብ 10 ደቒቕ ዘይመልእ ድማ ሂወት ኣማኢት ሰባት ቀዚፈን።
ኣነ ኣብዛ ዕለት ካብ መቕዘፍቲ ንስክላ ድሒነ፣ እንሆ ድማ ሕጂ ታሪኽ ኮይኑስ ይዝከር ኣሎ። ብሓፈሻ ታሪኽና ተዘንትዩ ኣይውዳእን እዩ። ኩሉ እቲ ዝሓለፍናዮ ምዝራቡ ቀሊል እዩ፣ ናብቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ኣተኣሳሲርካ ምግላጹ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ሰኣን ናይ ኣበሃህላ ክእለት ከይተጉድለሉን ከይተበላሽዎን ስለ ትፈርህ፡ ትቑጠብ ኢኻ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ስርሒት ቅያ ፈንቅል፡ ተዘንትዩ ዘይውዳእን ንወለዶታት ዝሓልፍን ረዚን ታሪኽ እዩ ዘለና። #Eritrea

📍🇪🇷 #Eritrea
"ቅያ ፈንቅል ንወለዶታት"
#Massawa #FenqilOperation #Fenqil36 #FenkilAt36 #GloryToOurMartyrs #Fenkil36 #EPLF #Eritreans #Eritreaprevails #Shaebia
#GloryToOurMartyrs 🇪🇷🕯✊🏾
ፈንቅል፡ ድንቂ ቅያ ደቂ-ባሕሪ
መበል36 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፣ ጎምጀውቲ ሃጸያዊ ግበታ ገማግም ባሕርን ወደባትን፣ ብመገዲ ዞባውያን ዕሱባት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተግብሩዎ ዝሓለኑ ውጥን ተዘሪጉ፣ ኣብ ከቢድ ወጥሪን ነውጺን ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕምብርቲ ህዉጽ ጎደቦ፡ ደሴት ሰላም ፈጢሩ፡ ትእምርቲ ሓያልን ብሉጽን ሰራዊት ኮይኑ፡ ብዕዉት ታሪኹ ዝያዳ ኣብ ዝደመቐሉ እዋን ይዝከር ኣሎ።
ኣብ ስርሒት ፈንቅል ጐሊሖም ካብ ዝጥቀሱ ብርቂ ፍጻመታት ሓደ፡ ተኣምራታዊ ቅያን ጅግንነትን ናይቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ዝተወልደ ንኡስ ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ።
ኣርሒቑ ዝጥምት መሪሕ ውድብ ህ.ግ.፡ ኤርትራ ከም “ሃገረ-ባሕሪ” (Marittime State) መጠን፡ ኣብ ማያዊ ክላ እውን፡ ልኡላውነታ ከተረጋግጽ፡ ኣብ ግጥማት መሬት ከይተሓጽረ፡ ነቲ ብደገፍ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ርእሰ ሓያላን፡ ዘመናውያን መራኽብ ውግእ ዓጢቑ፡ ካብ 1955 እዋን ፈደረሽን ጀሚሩ፡ ገማግም ባሕርን ወደባትን እንዳማቱ ተቘጻጺሩ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ንምስዓር፡ ኣብ 1986 ንኡስ ሓይሊ ባሕሪ ኣቚሙ። እዚ ውልዶ ሓይሊ ባሕሪ’ዚ ንውግእ ዘይተሰርሓ ንኣሽቱ ጀላቡ ሒዙ፡ ብ19 ሚያዝያ 1988 ንፈለማ ግዜ ኣብ ወደብ ዓሰብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ሓድሽ ናይ ውግእ ግንባር ምኽፋቱ ኣበሰረ። ብ31 ግንቦት ናይቲ ዓመት’ቲ ድማ፡ ኣብ መጻብቦ ባጽዕ ክልተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓምሸሸ። ብ6 መስከረም 1988 እውን፡ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ሰለስተ ዓበይቲ መራኽብ ጸላኢን መኽዘናትን ብምዕናው ኣብ ውግእ ባሕሪ ተመኩሮ ደሊቡ ሰወደ።
እዚ ተኣምረኛ ንኡስ ሓይሊ ባሕሪ’ዚ፡ ኣብ ግጥም ፈንቅል፡ ነቲ 35 ዓመት ዝዕድመኡ፡ ብሉጽ ዕጥቂ ዝነበሮ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ዝስራዕ፡ ነበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ በተን ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ብመዳርግቲ ኣልቦ ሓሞትን ጅግንነትን ደጋጊሙ እናጥቀዐ፡ ፍጹም ከምዝለምስ ብምግባር፡ ልዕሊ 10 ዓበይቲን ማእከሎትን መራኽብ ውግእ ኣቃጺሉ፡ ሓያሎ ካልኦት ማረኸ። ኣብ ደረጃ ቅብጸት ዝበጽሐ ተረፍ-መረፍ ናይቲ ዝተሳዕረ ሰራዊት፡ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ሰላማዊ ህዝቢ ጀሆ ሒዙ ክከላኸል ኣብ ዝፈተነሉ ድማ፡ ሓይሊ ባሕሪ ህ.ግ.፡ በተን ንኣሽቱ ጀላቡኡ፡ ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ካብ ናቫል በይዝ ናብ ርእሲ ምድሪ ተመላሊሱ እናስገረ፡ ነቲ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ኣብ ምፍታሕ ወሳኒ ግደ ተጻወተ።
ባሕራዊ ልኡላውነት ኤርትራ እምበኣር፡ ብከምዚ ዝኣመሰለ መዘና ኣልቦ ትብዓትን ጅግንነትን ደቂ ባሕሪ ዝተረጋገጸን ዝተዋሕሰን’ዩ። ሎሚ፡ መሃይማን ታሪኽ ዝኾኑ፡ ሓደስቲ ዕሱባት፡ ናይ ውሽጢ ጭንቀቶም ያኢ ንምፍዃስ፡ “ባሕሪ” እናበሉ ክቚዝሙ ምስማዕ ዘስደምም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ወራርን ጎበጣን ከዐውቱ፡ ብግጉይን ዝንቡዕን ትረኻ፡ ግዳይ ጂኦፖለቲካዊ ሽርሒ ብምዃን፡ ኣብ ኤርትራ ዝሃለቑ ኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ምርሳዕ እዩ።
ባሕራዊ ልኡላውነት ኤርትራ ኣይኮነን’ዶ ሎሚ፡ ሓደ ነዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ኲናት ኣዊጁ፡ ኣብ ገደል ውድቀት ዘንከራሩ ዘሎ ርዑድ ጉጅለ ክደናደኖ፣ እቶም ብደገፍ ርእሰ ሓያላን ዝበለጸ ናይ ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን ዕጥቂ ወኒኖም፡ ብገዚፍ ግዳማዊ ምወላ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝበለጸ ዝተባህለሉ ሰራዊት ዝሃነጹ እውን ኣይተዓወቱሉን።
ክብርን መጎስን፡ ነቲ ብትብዓቱን ጅግንነቱን መዘና ዘይርከቦ ዘሐብን ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ሰራዊቱን! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ፈንቅል!
#Eritrea

📌 " ፈንቅል ናይ ህዝባዊ ግንባር ተባዕ ውሳነ ውጽኢት እዩ"
#Fenqil36 #FenkilAt36 #February8 #Shaebia #EPLF #EritreanUnity
Anniversary #OperationFenkilAt36 - #RedSea #MassawaIsEritrea #AssabIsEritrea
📌ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ነቶም ንስለ እዛ ክብርቲ ሃገር ሂወቶም ብሓድነትን ንሓንቲ ዕላማን ሓቢሮም ንስኻ ሕለፍ ኣነ ክስዋእ እንዳ በሉ ዝወፈዩ ... ኣሰርኩም ነባሪ 🕯🕊🇪🇷
📌ዓወት ንሓፋሽ ✊🏾🇪🇷
https://t.co/YdHxnAc5rH
Last Seen Hashtags on Sotwe
EbM
Seen from United States
PattyDaddy
Seen from United States
teacherstudent filter:videos
Seen from Germany
hijabi ai.
Seen from Turkey
limblessgirl
Seen from Mexico
巨乳
Seen from Indonesia
goon(******) filter:videos
Seen from United States
สงขลา
Seen from Thailand
MGAI()+filter:native_video()
Renegadeimmortal
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
240.9M followers

Barack Obama 
@barackobama
118.8M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.5M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.9M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
107M followers

Rihanna 
@rihanna
98.7M followers

NASA 
@nasa
92.2M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.8M followers

KATY PERRY 
@katyperry
90M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
84M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.5M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.4M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.8M followers

YouTube 
@youtube
68.7M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.4M followers

Bill Gates 
@billgates
65.2M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63.1M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.2M followers

CNN 
@cnn
61.7M followers

X 
@x
60.6M followers




