Top Tweets for #Shamnait
ፋብሪካ መድሃኒት ኣብ ሰውራ
ሻምናይ ክፋል
እተን ሰለስተ ኮንተይነራት፡ ብውሽጠን ንሓድሕደን ከም ዝራኸባ ኰይነን ብቕርጺ ፊደል ‘በ’ ተገጣጠማ። እቲ ቐንዲ ናይ መፍረ መሳርሒታትን ነቲ መስርሕ ዝሕግዝ ካልእ መሳለጥያታትን ድማ፡ ኣብአን ተተኽለ። እተን ዝተረፋ ክልተ ኮንተይነራት ከአ፡ ምቍጽጻር ደረጃ ብቕዓት (quality control) ዝካየደለን ክዀና ተወሰነ። እዚ ኹሉ ምስ ተዳለወ፡ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ ኣብታ “ክመጽእ’ዩ” ዝተበሃለላ ዕለት ደበኽ በለ። ኣብ ዘይርጉእ ኵነታትን ካብ ምዕባለ ዝማሕደገ ጸምጸም በረኻን፡ ነቲ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢንፍዩዥን ዘፍሪ መሳርሒ ክትከለሉ ዝተዋደደ፡ ንኹሉ ስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ኣማሊኡ ብኮንተይነር ዝተሰርሐ ህንጻ ምስ ተዓዘበ፡ “መስተንክራዊ ምህዞ!” ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹሎም። ኣብ ምዕዋት እቲ መደብ ድቃስ ስኢኖም ክጽዕቱ ዝጸንሑ ኣባላት ኣሃዱ ፋርማሲ ከአ፡ ኣብ ድርኩኺት ዓወት ከም ዝበጽሑ ዘበሰረ ደወል ኰይኑ ተሰመዖም።
ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ዝመጽአ መሳርሒታት መፍረ-ኢንፍዩዥን፡ ምስ ዓቕሚን ኵነታትን ውድብ ብዝሳኣነ መንገዲ ኣብ ዝተሰነዓ ኮንተይነራት ብቐሊሉ ክትከል ነበሮ። ግና ምስ ቁመትን ስፍሓትን ናይቲ ኮንተይነራት ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ፡ ካልእ ዘይተሓስበ ሃልክን ተበለሓትነትን ዝሓትት ዕማም ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ከአ ማሺናት ኣብ ዝተዋደደሉ ክፍሊ ኣትዩ፡ ዝልሓም እናተላሕመ፡ ዝልቀብ እናተለቀበ ንስራሕ ድሉው ኰነ። እቲ ብወለንታኡ ክተሓጋገዞም ዝመጽአ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ኣብ ሜዳ ክጸንሓሉ ዝኽእል መዓልታት ኣዝዩ ሓጺር ብምንባሩ፡ ናብ ሃገሩ ከይተመልሰ እንከሎ፡ እቲ ንዓመታት ሃንቀው ክብሉሉ ዝጸንሑ መሳርሒ፡ ኢንፍዩዥን ከፍሪ ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ብግብሪ ክፍተን ነበሮ።
ኣባላት ኣሃዱ ፋርማሲ፡ እቲ ካብ ባኮ ወጺኡ ዝተተኽለ መሳርሒ ኣረጊት ብምንባሩ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ፈተነ ስክፍታታት ነይሩዎም’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ፡ “ግድን ተበላሒትና ከነስርሖ ኣለና።” ዝብል ኒሕን ሓቦን ሰኒቖም፡ ኣብ ምዕራፉ ከብጽሕዎ ኣንቀዱ። መሳርሒ ተገጣጢሙ ንፈተነ ድልው’ኳ እንተ ዀነ፡ ምስኡ ክማላእ ዝግብኦ ስርሓት ህንጻ ተጀሚሩ ደኣ’ምበር ኣይተጻፈፈን። ኣሃዱ ምደባ ደረጃ ብቕዓት’ውን፡ ገና ስርሑ ኣይጀመረን። ግና ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ ዕለት ስለ ዝቐረበ፡ ንሱ እንከሎ ፈተነ መፍረ-ኢንፍዩዥን ክካየድ ናይ ግድን ኰነ። ኣብ ቅድሚኡ ክፍተን ዝተደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ምናልባት እቲ ፈተነ እንተ ዘይተዓዊቱ፡ እቲ ከዐውት ዘይከአለ ኣካል ናይቲ ማሽን ክልለ’ሞ፡ ንሱ ምስ ተመልሰ ካብ ኤውሮጳ ምእንቲ ክልእከሎም ነበረ።
ብዝዀነ ናብ ናይ ፈተነ ስራሕ ምስ ተአተወ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተፈርሐ ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣጋጠመ። እቲ ጸገም ካብ ጀነረይተር ጀመረ። እታ ጀነረይተር ኣዝያ ኣረጊት ኰይና ሓንሳብ ተቋርጽ ስለ ዝነበረት ኣጸጊማቶም ነበረት። ናታ ጸገም ግን ብቐሊሉ ተፈትሐ። ዝበዝሐ ትሕዝቶ ኢንፊዩዥን ማይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ስራሕ ምስ ተጀመረ ፈለማ ዘጋጠመ ቀንዲ ጸገም፡ ዋሕዲ ነቲ ኢንፍዩዥን ዘገልግል ዝመኸነ ማይ ነበረ። እዚ ማይ’ዚ፡ ናብ ሰራውር ደም ሰብ ዝኣቱ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊን ብከላ ናጻ ኰይኑ ክምስራሕ ነበሮ። ከምኡ ክኸውን እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ማይ ብብዝሒ ክህሉ ኣድላዪ እዩ። እዚ ግን፡ ምስ ክሊማን ባህሪን ሳሕል ነብሱ ዝኸኣለ ብድሆ’ዩ። ኣብ ዓሬርብ፡ ብቐጻሊ ካብ ወሓይዝ ዝርከብ ማይ ስለ ዘየለ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ፡ ካብ ዒላታት ዝርከብ ማይ ምጥቃም ነበረ። ንሱ’ውን፡ ውሑድ ብተወሳኺ ድማ፡ ጨዋም ስለ ዝዀነ፡ ንኢንፍዩዥን ዘገልግል ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ዝመጸ ሓሳብ፡ ካብ ሰማይ ዝዘንብ ማይ ኣብ ሓደ ዲጋ ብምውህላል፡ እኹልን ካብ ጨዋምነት ናጻ ዝዀነን ጽሩይ ማይ ምጥቃም ነበረ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ዝወጠንካዮ መደባት ብዙሕ ዕንቅፋት ከጋጥሞ ንቡር እዩ። ዲጋ ምስራሕ’ውን ንሓደጋ ነፋሪት ጸላኢ ቃልዕ ኰይኑ ተረኽበ። ኩሉ ኣማራጺታት ድሕሪ ምፍታሽ ከአ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኣብ ኣዶብሓ ዝነበረት፡ “ንዓኣ ንጠቀም፡” ተባህለ። ማይ ካብዛ ዒላ ናብ ቦጥ ምስ ተመልአ፡ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምድሓን፡ ብለይቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ሰዓታት ተጓዒዙ ወጋሕታ’ዩ ናብቲ ቦታ ክበጽሕ።
ንኢንፍዩዥን ዝኸውን ማይ፡ ብ ‘ዲስትሌሽን’ ማለት፡ ብምዕቡል ረስኒ ፈሊሑ ናብ ሃፋ ምስ ተቐየረ፡ ነቲ ሃፋ ኣዝሒሉ ናብ ጽሩይ ማይ ብዝቕይር መሳርሒ’ዩ ዝፈሪ። እንተዀነ፡ እታ ነዚ እትገብር መሳርሒት፡ ኣብ ላባራቶሪ ንዘድሊ ቅልል ዝበለ ስራሕ ደኣ’ምበር፡ ንኸምዚ ዝበለ ብርቱዕ ጸዓት ዝሓትት ስራሕ ተባሂላ ዝተሰርሐት ኣይነበረትን። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣዝዩ ትሑት ብቕዓት ዘለዋ ነበረት። ጀነረይተር ተወሊዑላ ምሉእ መዓልቲ (12 ሰዓታት) “ዓገግ. . . ክትብል ውዒላ፡ ካብ 20 ሊትሮ ዘይሓልፍ ማይ ጥራይ’ያ ከተምክን ትኽእል ዝነበረት። እቲ ዘጋጠመ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ሕልኽላኻት ተሰጊሩ፡ ዕዉት ፈተነ ዝካየደሉ ግዜ ኣኸለ።
ቅድሚ ፈተነ፡ እተን ኮንተይነራት ብዝግባእ ጸረያ። ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲን ካልኦት ዝምልከቶም ሞያውያንን ጥራይ ናብ ውሽጠን ኣተዉ። ንኹሉ መዓጹን መሳኹትን ከኣ ዓጸውዎ። እቶም ኣብ ደገ ዝተረፉ ካልኦት ሞያውያን ብጾቶም ከይከፍቱዎ ብጥብቂ ተነግሮም። ብድሕሪ’ዚ ብዓል ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ብዘይ መግቢን ማይን ን36 ሰዓታት ተዓጽዮም ትንፋስ ኣብ ዘይህብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸምዱ። እታ መምከኒት ማሽን ምሉእ መዓልቲ ከም ንብዓት ጥብ! ጥብ! እናበለት ኣዋህሊላ ዝሃበቶም 20 ሊትሮ ዝመክን ማይ፡ ዘድሊ ቀመማት ተዋሂብዎ፡ ምስናይ ስክፍታኡ ክፍተን ናብ ዝተዳለወ መሳርሒ ኣተወ። ግቡእ ስነ-ፍልጠታዊ መስርሕ ሓልዩ ኣብ ፕላስቲክ ከረጺት ዝተዓሸገ ኢንፍዩዥን፡ ቀዳማይ መስርሕ ወዲኡ ንምምካን ተዳለወ። ኣብ ሓደ ኣረጊት መምከኒ ማሽን ኣውቶ- ክሌቭ ኣትዩ ዝተወሰነሉ ናይ ዑደት ግዜ ምስ ወድአ ድማ ተኸፍተ። የግዳስ ክመክን ካብ ዝኣተወ ከረጺታት ፍርቁ ተተኲሱ ጸንሐ። እተን ካብ ምትኳስ ዝደሓና 15 ዝኾና ግና፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ዝፈረያ ናይ መጀመርታ ኢንፍዩዥን ኰይነን ብፍሉይ ተሰነዳ።

Last Seen Hashtags on Sotwe
arabcam
Seen from Algeria
หีดำ
Seen from Thailand
hidden cameras sex
Seen from Turkey
ipcam
imwf #blowjob
Seen from India
notecomaslacabeza
Seen from United States
minichat
Seen from Turkey
แอบผัวมาเย็ด
minichat(*)****************************************************************
Seen from Israel
teenageers
Seen from Mexico
Trends for you
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
241.5M followers

Barack Obama 
@barackobama
118.8M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.5M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.9M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
107.1M followers

Rihanna 
@rihanna
98.7M followers

NASA 
@nasa
92.3M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.8M followers

KATY PERRY 
@katyperry
90M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
84M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.5M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.4M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.8M followers

YouTube 
@youtube
68.8M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.5M followers

Bill Gates 
@billgates
65.2M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63.1M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.2M followers

CNN 
@cnn
61.7M followers

X 
@x
60.7M followers


