Top Tweets for #aselet
The #Aselet #ኣሰለት python of #Eritrea’s #GashBarka region does not suck human blood—a myth—but kills prey by constriction, helps control rodents, belongs in the wild, and should be reported to wildlife authorities rather than approached when found near homes.
ኣሰለት ጋሽ
እስቲፋኖስ ገብረኪዳን (ሃረም)
መእተዊ ጽሑፈይ በዚ ክጅምሮ። ‘‘ኣሰለት ትብሃል ኣዝያ ቀጣን ነዋሕ ገበል ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣላ። ደምካ መጽያ ትቐትለካ። ቅድም ብእግርኻ ጀሚራ ክሳብ ርእስኻ ንምሉእ ኣካላትካ ትጥምጠመካ። ኣብ ኣካላትካ ዝርከብ ደም ናብ ርእስኻ ከም ዝእከብ ትገብር። መልሓሳ ብመሳኹቲ ኣፍንጫኻ ብምእታው ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ደምካ ትመጽየካ። ምስ ወደአት ድማ ኣካላታ ካብ ኣካላትካ ክፈላለ እንከሎ ትድርብየካ። ንፉዕ እንተኾይንካ በቲ ሓደ ኢድካ ካራ ጨቢጥካ የማነ ጸጋም ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ምስ ገረብ ተጸጊዕካ ትጽበያ። ምስቲ ዝተጸጋዕካዮ ገረብ ሓዊሳ ኣካላትካ ምስ ተጠምጠመትካ በቲ ሓደ ኢድካ ብርእሳ ሒዝካ ብካራ ክሳዳ ትቖርጻ። ልምዲ ዘለዎም ብከምዚ እዮም ዝድሕኑ’’።
ነዚ ንነዊሕ ግዜ ዝኸደ ዕላል ዳርጋ ዘይሰምዐ ሰብ የለን ክበሃል ይከኣል። ንገለና እኳ ዳርጋ ካብ ቈልዑትና ዘዕበየና ጽዋ’ዩ። ሓቂ መሲሉና ካብ ሃድን ኣሰለት ርዒድና ንነብር’ውን ውሑዳት ኣይኮንናን። ኣብቶም ንመጀመርታኦም ናብ ጋሽ ባርካ ወይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኦም ንምፍጻም ሳዋ ዝወርዱ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ ዝኸውን። እዚ ዕላል እምበኣር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምስ ባህርን ጠባይን ኣሰለት ወይ ገበል ዘይከይድ ጽዋጽዋይ እዩ።
ገበል ናይ ምሓዝ ልምዲ ዘለዎም ሰባትን፡ ስነፍልጠታዊ ጽሑፋትን ተወኪሰ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ከምዚ ይመስል። ቅድሚኡ ግን ገና ናይ መባእታ ተመሃሮ ከለና ብዛዕባ እንስሳታት ከምዚ ኢና ንመሃር። እንስሳታት ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። እንስሳ ዘቤትን እንሳስ ዘገዳምን ተባሂሎም ይጽውዑ። እቶም እንስሳ ዘቤት ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ወዲ ሰብ ስለ ዝነብሩ መግቦም መዕቆቢኦም ጥዕናኦም ውሕስነት ኣለዎ። እንስሳ ዘገዳም ግን ኣብ በረኻ ባዕላቶም መግቦም ማእሪሮም ምስ ባህሪ እናተቓለሱ ዝናበሩ እዮም።
ሎሚ ሃገርና ብመደብ ክረምታዊ ማእቶት ተመሃሮን፡ ካልእ መደባት ማእቶትን ምግራብን ብዙሕ ከባቢታት ለሚዑን ናብ ዱር ተቐይሩን ይርከብ። ህዝብና ኣጥርዩዎ ዘሎ ባህሊ ምዕቃብ ኣግራብን ሓለዋ ሕሩም ሕዛእትን ኣብ ምስሳን ዱር ኣምጺኡዎ ዘሎ ለውጢ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን። እዚ ምስሳን ኣግራብን ዱርን ጫካታት ስለ ዝፈጠረ እንስሳ ዘገዳም መዕቆብን እኹል መግብን ንክረኽቡ ሓጋዚ እዩ። እንስሳታት እኹል መግብን ውሑስ መዕቆብን እንተረኺቦም ብብዝሒ ይፋረዩን ይበዝሑን።
ገበል ሓደ ካብ እንስሳ ዘገዳም ኮይኑ፡ ብምንፍሓዅ ዝንቀሳቐስ ዝዓበየ ለመምታ እዩ። ብዓለም ደረጃ ኣስታት 40 ዓይነት ገባብል ክህልዉ ከለዉ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ላቲን ኣመሪካን ብብዝሒ ይርከቡ። ኣብ ኣፍሪቃ እንተርኢና 11 ብብዝሒ ዝርኣዩ ዓይነታት ገበል ኣለዉ። ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ደቡብን ኣፍሪቃ ብብዝሒ ይርከቡ። ኣብ ሃገርና ሰለስተ ዓይነት ገባብል ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድን ሩባ ጋሽን ተከዘን ይነብሩ።
ገባብል ዝነውሐ ዕድመ ክሳብ ሰላሳ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ። እቶም ዝነውሑ ቁመቶም 10 ሜትሮ ይበጽሕ፣ ክብደቶም ከኣ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ክምዘን ከም ዝኽእል ጽሑፋት ኣስፊሮም ይርከቡ።
ገበል ሽፋኑ ለማጽን ማራኺ ሕብሪ ቆርበትን ይውንን። ኣብ ሑጻ ወይ ጉድጓድ ካብ 20 ክሳብ 100 እንቋቚሖ ብምጽፋይ ይፋረ። ኣፉ (ላዕላይን ታሕታይን መንጋጋ) ክሳዱን ተመጣጢ ክፍሊ ኣካላቱ እዩ። ገበል ዝብህጎ ምቹእ ቦታ ጠሊ ዘለዎ ዝሑልን ጸጥታ ዝሰፈኖ ከባብን እዩ። ኣብ ከባቢ ወሓይዝን ከባቢ ማይ ዝርከበሉ ቦታን ብብዝሒ ይነብር። ፍሉይ ትዕድልቲ ናይ ምሕንባስን ኣብ ገረብን ኣኻውሕን ናይ ምሕኳርን ብጸልማት ናይ ምርኣይን ክእለት ኣለዎ።
ኣመጋግባ ገበል ምስ ንርኢ እንስሳታት ብምህዳን ይናበር። ከከም ኩነታቱ ዕብየትን ግዝፍን እንስሳ ከም ኣናጹ፡ ጠበቕ፡ መንካዕ፡ ህበይ፡ መፍለስ፡ ኣዕዋፍ፡ ዓሳ፡ ከምኡ’ውን ኮራኩር ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ከም ጉማ፡ ሓርገጽ፡ ነብሪ፡ እንበሳ፡ ዝብኢ፡ ከልቢ በረኻ ጠለ በጊዕን ከብትን ብምህዳን ይምገብ።
ዝበዝሕ ምስ ኣቃውማ ባህርያዊ ስርዓተ ምሕቃቕ ኣመጋግባኡን ብምዝማድ፡ ገበል ኣይምንጭትን ኣይሕይኽን ኣየኾምስዕን እዩ። ገለ ፍሉያት ግን ኣስናንን ንጎኒ ዝምጠጥ መንጋጋን ዘለዎምን ኣዝዮም መርዛማትን ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። ገበል ኣብ ኣፉ ኣእትዩ ከም ዝውሕጦ ምስ ዝተኣማመን ጥራይ’ዩ ዝሃድን። ነቲ ክሃድኖ ዝመረጾ እንስሳ ብክሳዱ ወይ ብካልእ ክፍሊ ኣካላቱ ብኣፉ ምስ ሓዞ ቀልጢፉ ይጥምጠሞ። ተጠምጢሙ ብምጭባጥ ሓያል ጸቕጢ ብምግባር ኣዕጽምቲ ኣካላቱ ይሰባብሮ። ስርዓተ ምስትንፋስን ዑደት ዙረት ደምን ከምዝዕጾ ገይሩ ይቐትሎ። ትንፋሱ ምሕላፉ ንምርግጋጽ ብመልሓሱ ኣፉን ኣፍንጫኡን ይድህስሶ። ትንፋሱ ከም ዝሓለፈት ምስ ኣረጋገጸ ብርእሱ ጀሚሩ ክውሕጦ ይጅምር። እቲ ዝተሃድነ ምስ ወሓጦ ዓቢ ምስ ዝኸውን ክሳብ መስርሕ ምሕቃቕ ዝፍጸም ንመዓልታት ክድቅስ ይኽእል። ሓያል ነዝዒ ዘመንጩ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኣለዎ። ጸጉርን ቀርንን ኣዕጽምትን ሽክናን ኣጽፋርን እቲ ክሓቅቕ ዘይክእል ድማ ንግዳም ይተፍኦ። ካብቲ ዘሕቀቖ መግቢ ዝተረፈ ብቐልቀል ይወጽእ።
ገበል ካብ ጸላእቲ ንምክልኻል ብኣፉ ይነክስ። ጭራኡ ወርዊሩ ብሓያል ክብደት ዝምዘን ይጸፍዕ። ረባሺ ድምጺ ይገብር። ቀንዲ ተጻባእቲ ወይ ጸላእቲ ገበል፡ ከምቲ ድሙ ንተመን በጽፋራ ጭሒጋ ትቐትሎ፡ ነብሪ’ውን ንገበል ኣጽፋሩ ተኺሉ ይቐትሎ። ሓርገጽ ኣብ ማያት ተሓቢኡ ጸኒሑ ሓደጋ ከውርደሉ ይኽእል። ብተወሳኺ ዓበይቲ ኣዕዋፍ ከም ንስሪ ንናእሽቱ ገበል ካብ መሬት መንጢሎም ይወስዱዎም።
ገበል ንሰብ ሓደገኛ ዝኾነሉ ግዜ፡ ሰብ ክከላኸል ክብል ይጻበኦ እሞ ንሱ’ውን ነብሱ ንምድሓን ክከላኸል ስለ ዘለዎ ግጭት ይፍጠር። ሰብ ብባህርይኡ ካብ ለለምታ ስለ ዝፈርህ ቀልጢፉ ክቐትል እዩ ዝፍትን። ገበል መግቢ ውሒጡ ከሎ ምስ ትጻብኦ ኣዝዩ ይሓርቕ’ሞ ነቲ ዝተመገቦ ይተፍኦ፡ ብሓያል ነድሪ ድማ ምሳኻ ይበኣስ። ከቢድ ሓደጋ ድማ የውርድ። ኣብ ልዕሊ ህጻናት’ውን ሓደጋ ከይወርድ ጥንቃቐ የድሊ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣይተራ ዝበሃል ዓዲ ምስ ኣቦይ ባራ ዝበሃል ሽማግለ ሰብኣይ ብዛዕባ ኣሰለት ኣዕሊለ ነይረ። መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ኣቦይ ባራ ሎሚ ብህይወት የለን። ኣይተራ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ መንጎ ቶኾምብያን ሃዳሙን ዝበሃላ ዓድታት ትርከብ ንእሽተይ ቁሸት እያ። ነበርታ ካብ ቀቢላ ሃውሳ ኮይኖም ኣብቲ ልሙዕ ለስ ብሕርሻን መጓሰን ኢደ ስርሓትን ይናበሩ።
እዞም ነበርቲ ናይዚ ከባቢ፡ ኣካላዊ ክእለትን ባህላዊ ልምድን ከባቢያዊ ፍልጠትን ብምውህሃድ ብፍሉይ ሜላታት እንስሳ ዘገዳም ናይ ምሓዝ ልምዲ ኣለዎም። ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝበሃሉ እንስሳታት ከም ኣንበሳ፡ ዝብኢ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ገባብል ከምኡ’ውን ኣህባይ ብምሓዝን ብ ምስልጣንን ፍሉጣት እዮም።
ኣሰለት ተጓዳኢት ኣይኮነትን ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ብሜላ ብምሓዝ ድማ ኣብ ሃገራውን ባህላውን በዓላት ኮነ ፈስቲቫላት ንህዝቢ ንምዝንጋዕ ይጥቀምሎም። ንምርኢት ኣብ ክሳዶም ብምስቃልን ምስ ሙዚቃ ብምስዕሳዕን መሳጢ ትርኢት የቕርቡ። ጋሊ (መሓመድ) ዝበሃል ወዲ እዚ ዓዲ፡ ኣሰለት ኣብ ምሓዝ ሓያል ተሞክሮ ዝውንን መንእሰይ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ በረኻ ዝረኸቦም ኣሰለታት ኣብ ሓጹር ጀርዲኑ እዩ ዘቐምጦም። ስለምንታይ ኢለ ኣብ ዝሓተትኩሉ ግዜ፡ ነተን ኣብ ገረውህ እኽልን ፍረታት ጀራዲንን ዝበልዓ ኣናጹ እናሃደነ ስለ ዘጽርየን ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹለይ። ጋሊ ኣሰለት ሒዙ ኣብ ፈቲቫላት ኤክስፖ ብዙሕ ግዜ ተሳቲፉ እዩ።
ኣቦይ ባራ ብዛዕባ ኣሰለት ከዕልሉ ከለዉ ከምዚ ኢሎምኒ ነይሮም። ኣሰለት ብባህሪኣ ተጓዳኢት ኣይኮነትን። ንሰብ እውን ተጻባኢት ኣይኮነትን። ሓድሽ ኩነት ምንቅስቓስ ምስ እትርኢ ትፈርሕን ነቲ ቦታ ገዲፋ ክትርሕቕን እያ ትደሊ። ኣሰለት ርእየ ኢልካ ከም ሰብ ክትስንብድ የብልካን። ቦታ ክትህባን መንገዲ ክትገድፈላን ኣለካ። ተቐዳዲምካ ክትጻብኣ የብልካን። ጥንቃቐ የድልየካ እንተድኣ ዘይተጠንቂቕካን ጠባያታ እንተ ዘይኣጽኒዕካን ሓደገኛን ቀታሊትን እያ። ምስ ተሕርቓ ክትህድደካ ትኽእል። ትርኢታ ጥራይ እኳ ትብዓት ይሓትት። ኣሰለት ንምሓዝ ቅ ልጣፈ ልምዲ ተሞክሮ የድሊ።
እዞም ሓደገኛታት እንስሳታት ብከመይ ይሕዙዎም፡ ነዞም እንስሳታት ንምሓዝ ዝበዝሐ ሰብ ፈውሲ ከም ዝጥቀሙን ከም ዘደንዘዝዎ እዩ ዝኣምን። ገለ ሰብ እውን ኣብዞም እንስሳታት ልዕለ ባህርያዊ ምቁጽጻር ኣለዎም ኢሉ ዝኣምን ኣሎ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ መሰረት ፍርሕን ምክብባርን ሓደጋ ንምንካይ ዝተዳለወ ፍሉይ ባህርያዊ ኣገባባትን ዝተሃንጸ እዩ። እቶም እንስሳታት ብባህሪኦም ቀተልትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ሓደጋ ምፍጻም ዓቕሚ ዘለዎምን ክንሶም ደፊሮም ይሕዙዎም። ኣብዚ ከባቢ ብተመን ተነኺሱ ዝመጽኦም ሰብ፡ ጸረ መርዚ ባህላዊ መድሃኒት ብምሃብ ከም ዘሕውዩዎ ግን ኣይሓብኡን።
ኣሰለት ምስ ሰብ ክትነብር ትኽእል’ዶ ሕቶ ኣቕሪበሎም ነይረ። በቲ ቅኑዕ ኣገባብ እንድሕር ሒዝካያ ተጓዳኢት ኣይኮነትን። እኹል ጽሬትን መግብን ገዛን ሂብካ፡ ምሳኻ ከተንብራ ክትለማመድ እውን ትኽእል እያ። ንብዙሕ ግዜ ምሓዛ ግን ኣይምረጽን። ባህሪ ዝዓደላ ናይ ምንባር ሜላን ናጽነትን ስለ ዘድልያ ናብ ትነብረሉ በረኻ ከተብጽሓ ኣለካ። ንምርኢት ወይ ንፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሰለት ኣብ ንሕዘሉ ግዜ ድሕሪ ስራሕና ምውዳእና ናብ መበቆላዊ ቦታኣ ኢና ንመልሳ።
ኣሰለት ተራ ዓይነት ገበል እያ። ካብ ኣናጹ ጀሚራ ክሳብ ኮራኩር ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ትምገብ። ልክዕ ከምቲ ስነፍልጠታዊ ጽሑፋት ዝገልጹዎ፡ ልምዳውን ባህላውን ኣገላልጻ እውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተጠምጢማ ደምካ መጽያ ትቐትለካ ዝብል ዕላል እምበኣር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ብምዃኑ ጽዋጽዋይ እዩ።
ገበል ብዓይኒ ጥቕሚ ተራእዩ ስጋኡ ንመግቢ፡ ቆርበቱ ንጫማ፡ ቁልፊ፡ ጃኬት ተደልዩ ሃድን ይካየደሉ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ሓያል ናይ ምቁጽጻርን ኣብ ህዝቢ ኣፍልጦን ደረጃ ንቕሓትን ክብ ኢሉ ብምህላዉ ገባብል፡ ብሓፈሻ እንስሳ ዘገዳም ካብ ሃድን ውሕስነት ረኺቦም ኣለዉ።
ለመምታ ብብዙሕ ሰብ ተጸላኢ እዩ። ኣሰለት ዝፈቱን ዝጸልእን ሰብ ኣሎ። ብተመን ዝተዳህለስ ብልሕጺ ሃደመ እኳ ዝበሃል። ገበል ወይ ተመን ርእዩ መንገዲ መዓልቲ ዝሃድም ኣይስኣንን። ገለ ሰብ ከኣ ኣሎ ዕጅብ ዘይብሎ። ገበል ኣብ ከባቢ ገዛኻ ወይ ከባቢኻ ምስ ትርኢ እሞ ስግኣት ምስ ዝፈጥረልካ ብቅልጡፍ ንዝምልከቶ ኣካል ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ከምኡ እውን ሓለዋ ዱርን እንስሳ ዘገዳምን ክትሕብር ይግበኣካ።

#aselet şanindadir türkün🇹🇷🤘
Dünyada insan birbirini sevmeli..!Sevmezse günler tükenmez..
Sevmezse dünya zindan olur...
Sevmezse yaşadığının farkına varamaz....
Hayırlı geceler cümletten 🖤 #kançiçekleri#Bahar #Aselet #karasevda #karaağaçdestanı #Birzamalarçukurova
Last Seen Hashtags on Sotwe
liseli()**********************************************filter:videos
Seen from Turkey
هنتاي_مترجم
Seen from Saudi Arabia
france #leak
Seen from France
zuludance
Seen from South Africa
teenageers
Seen from United States
BULLY
Seen from United States
PrincessTransport
Seen from United States
mom slave
Seen from United States
Bennybbc
Seen from Canada
おもらし
Seen from Japan
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
241.3M followers

Barack Obama 
@barackobama
118.8M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.5M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.9M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
107M followers

Rihanna 
@rihanna
98.7M followers

NASA 
@nasa
92.3M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.8M followers

KATY PERRY 
@katyperry
90M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
84M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.5M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.4M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.8M followers

YouTube 
@youtube
68.7M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.4M followers

Bill Gates 
@billgates
65.2M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63.1M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.2M followers

CNN 
@cnn
61.7M followers

X 
@x
60.6M followers










