Top Tweets for #semhar
In "From Courage to Mastery" part 17, Dr. #AfewerkiBerhe recounts Commissar #BerheBahta & #SelusTewolde's heroism in the #Semhar battle, capturing Dengolo, & fierce Habenat fighting, where limping Selus led a unit against an enemy RPG attack, with many, including Selus, martyred.
ተጋዳላይ፡ ካብ ጕስነት ክሳብ ማስተርነት
መበል 17 ክፋል
ኣብ መበል 16 ክፋል ዓንቀጽ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ዶ/ር ኣፈወርቂ በርሀ ተዘክሮኡ ብዛዕባ ጅግንነትን ኣሰዋውኣን ኮሚሳር ቦጦሎኒ በርሀ ባህታ (ፖሊስ)፣ ምንቅስቓስ ቦጦሎኒታት 2ን 3ን ናይ ብርጌድ 4 ካብ ግንባ�� ሰሓርቲ ናብ ሰምሃር፣ መጥቃዕቲ ባጽዕን ምረት ምክልኻል ወራር ጸላእን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምትሓዝ መዓስከር ደንጎሎ ተጋዳሊት ስሉስ ተወልደ ዘርኣየቶ ጅግንነት ተሪኹልና ነይሩ። መቐጸልታ ናቱ እንሆ፥
ስሉስ ተወልደ፡ ሓጺር ስረ ተዘውትር ጸላም ጕልብትቲ ነበረት። ሰለፋ ጎማ መኪና ዝመስል፡ ካላሽን ተሓንጊጣ ዘላ ዘይትመስል ኣካላታ ነታ ብረት ውሕጥ’ዩ ዘብላ። ውግእ ሰምሃር ምስ ደንጎሎ፡ ግንዳዕን ሰይድሽን ከይተወግአት ወዲኣቶ። መጥቃዕትና ብምቕጻል፡ ንጽርግያ ማይሓባር ዓላ ከፊቱ ምስ ከተማ ደቀምሓረ ኣራኸብናዮ።
ማ/በጦሎኒ ቫይናክ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ካብ ኣንፈት ጽርግያ ነፋሲት ሰይድሺ ንጸጋም ኣብ ዘሎ ጸድፊ ክሳዱን ሰለፉ��� ተወጊኡ ዝረኣዮ ሰብ ስለ ዘይነበረ ተሳኢኑ ውዒሉ። ዳሕራይ ሰይድሺ ምስ ተታሕዘ፡ ስዉኣትን ውጉኣትን ዝቆጸጸሩ ብጾት ረኺቦሞ። ቫይናክ ምሉእ መዓልቲ ኣብኡ ፈፈው ክብል ውዒሉ። ቀልጢፍና ኢንፍዩዥን ምስ ሃብናዮን ምስ ደገምናዮን ትንፋሱ መሊሱ ድሒኑ።
ድፋዓትን መዓስከራትን ደንጎሎ ምስ ሓዝና፡ ብዙሕ ኣስቤዛን ጸባ ቀዳማይ ዓለምን ስቃጥላታት ስለ ዝተረኽበ፡ መካይን ጽዒንና ናብቶም ድሕሪት ዝነበሩ ውጉኣትና ሰደድናሎም።
በጦሎኒታት 2ን 3ን ብርጌድ 4 ናብ ሰሓርቲ ኢና ተመሊስና። ካብ በጦሎኒ 4/3 ሓንቲ ሓይልን ጋንታን ካብ ሰሓርቲ ናብ ማይ ዓይኒ ሓበናት፣ ሓንቲ ሓይልን ጋንታን ድማ ንዓዲ ቐይሕ ተኸፋፊልና ፋሕ በልና። ዳርጋ ኩሉ ገዲም ዝበሃል ተጋዳላይ ኣ�� ውግእ ባጽዕ ተሰዊኡ እዩ። ሓይልታትና ዓቕሚ ሰበን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብሓደስቲ ተጸገና። ብፍላይ እታ ንሓበናት ዝኸደት ጋንታ፡ ውሱናት ጥራይ ገዳይ�� ነበሩዋ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስሉስ መራሒት መስርዕ ኮይና ነበረት።
ሕክምና በጦሎኒ 4/3 ደቀምሓረ ማእከላይ ቦታ ተባሂሉ ኣብ ብሎኮ መዓስከር ነይርና። ውጉኣትን ሕሙማትን ካብ ሰሓርቲ፡ ዓዲ ቐይሕን ማይ ዓይንን ዝመጽኡ ንቕበል ነበርና።
እታ ናብ ሓበናት ዝወረደት ኣሃዱ ነዊሕ ከይገበረት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ሓደጋ በጽሓ። ለይቲ ብድቁሳ፡ ሓንቲ በጦሎኒ ተ.ሓ.ኤ መጺኣ ቦምባ ኣርፒጂ ኣእትያትላ። ጋንታ ኣብ ከበባ ኣትያ ዝማረኽ ተማሪኹ ዝቕተል ተቐቲሉ ተደምሲሳ። መራሒ ሓይሊ ዑቕባይ ደበሳይ ቀልጢፉ ተሰዊኡ። ኣብተን ጋንታታት ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ከም ብዓል ስሉስ ተወልደ ብጅግንነት ተዋግኡ። ተ.ሓ.ኤ.ንስሉስ ብህይወታ ክሕዙዋ ��ቲኖም ነይሮም። ግን፡ ኣብ ህድሞ መከላኸሊ ቦታ ሒዛ ዝቐረበ ምንጥል እናኣበለት ምስ ኣኽሰረቶም፡ ብቦምባ ኣርፒጂ ደፊኖም ቀቲሎማ።
ኣባል በጦሎኒ 4/3 ነበር ተጋዳላይ ግርማኣለም ተኪኤ፡ ነቲ ብ16 ለካ��ት 1978 ኣብ ሓበናትን እምባዓርባን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብታ “ሰሊና 77” ዘርእስታ ናይ ታሪኽ መጽሓፉ ብዕምቆት ገሊጹዎ ኣሎ። ኣብ ገጽ 359 ናይታ መጽሓፍ ከኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ንረኽቦ፥
ኮሚሳር ሓይሊ ተኽለ ክፍላይ (ሕጂ ብ/ጀነራል) ኣብ መጥቃዕቲ ግንዳዕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠሞ፡ ነታ ሓይሊ ናይ ምምራሕ ኣብ እንግድዓ ዑቕባይ ደበሳይ (ቀሺ) ወደቐ። ሰለስቲአን ጋንታታት ናይታ ሓይሊ ናብ ሓበናትን እምባዓርባን ወረዳ። ዑቕባይ ድማ፡ ምስ ገነት (ጓልጎነጽ)፡ ግዝያዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ከባብን ማእከልነት በጦሎኒ ኣብ ብ/51 ተጋዳላይ ስምኦን (ወዲ ኢማም) ን ኣብ ቆጸራኦም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተራኸቡ። ሓደስቲ ከላሽን፡ ጠያይት ዝሓዘ ሰናዱቕን መድሃኒትን መኪና ጽዒኖም ካብ ሓራ ዝወጽአት ከተማ ደቀምሓረ ሰዓት 3፡00 ወጋሕታ ናብ ሓበናት ተበገሱ። ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት መንገዲ ሓበናት ኣተዉ። ኣብታ ዓዲ ምስ ኣተዉ ንእሽቶ ከዕርፉ ንምድቃስ ኣብቲ ��ድሞ ኣትዮም ግንብው በሉ። ጋንታታት ሓጎስን ኪዳነን ክልተአን ኣብ ሓበናት፣ ጋንታ ኣድሓኖም ድማ ኣብ እምባዓርባ ቀሲነን ኣዕሪፈን ነበራ። ድሕሪ’ቲ መሪር ውግእ ባጽዕን መጥቃዕቲ ከተማታት ደንጎሎን ግንዳዕን ንመጀመርታ ግዜ ተዛንየን ኣዕሪፈን ነበራ። ግን ተሓኤ ጽቡቕ ኣይፈደየቶምን።
ሓንቲ ቦጦሎኒ ተሓኤ ምስ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ምልሻታታ ነዘን ኣዕሪፈን ዝነበራ ጋንታታት ህዝባዊ ግንባር ንምድምሳስ እከይ ውጥነን ወዲአን ነበራ። ብዓል ወዲ ኢማም ኣዒንቶም ሰለም ከብሉን ልክዕ ሰዓት 5፡30 ንግሆ ኣብ ልዕሊ’ተን ጋንታታት ጠያይትን ቦምባታትን ክዘንብን ሓደ ኮነ። “ሰልም! ሰልም! ያ ምዳዳ” (ኢድኩም ሃቡ ኣንቱም ጸረ ሰውራ!) ዝብል ድምጺ ምስኡ።
ብዓል ወዲ ኢማም፡ ዑቕባይ ኮነ ገነት ግን ብቕጽበት ተንሲኦም ምስ ጋንታታቶም ተሰሊፎም ኣብ ዲቕ ዝበለ ናይ ኢድ ብኢድ ግብረመልሲ ውግእ ገጠሙ። ዑቕባይ ንጋንታ ሓጎስ ‘ኣጆኹም!’ እናበለ ከወሃህድ ጀመረ። ግን ኣብ ፍጹም ከበባ ዝኣተወት ጋንታ ክትድሕን ኣይከኣለትን። ዑቕባይ ንባዕሉ ቀዲሙ ግንባሩ ተሃሪሙ ተሰውአ። ሓጎስ መራሒ ጋንታን ማእከልነት ቦጦሎኒ ወዲ ኢማምን’ውን ብጅግንነት እናተዋግኡ ኣሰሩ ሰዓቡ። ገነት ጓል ጎነጽ፡ ስሉስ ተወልደን ካልኦትን መስዋእቲ ሓለፍቶም ነድሪ ወሰኸሎም። ኣብ ሓበናት ደም ደቂ ሓንቲ እኖ ከም ሕሱም ወሓዘ። ገነት (ጓል ጎነጽ)፡ ስሉስ ተወልደ፡ መራሒ ጋንታ ሓጎስን ካልኦትን ካብቲ ሕሱም ውግእ ሳሊናን ከተማታት ግንዳዕን ደንጎሎን ብጸላኢ ዘይተሰውኡ፡ ኣብዛ ጸላም መዓልቲ ኣብ ሕድሕዳዊ ውግእ ኣሕዋት ተሰዊኦም። ድሕሪ’ዚ ኣሕዛንን ጽዩፍ ተግባርን ተሓኤ፡ ሓለፍቲ በጦሎኒ 4/1ን ናይ ብርጌድ 51ን ሰራዊቶም ኣወሃሂዶም ንተሓኤ ካብ ከባቢ ማይዓይኒ ጸራሪጎም ናብ ቅናፍና ከም ዘስገሩዋ እያ ትምስክር እታ መጽሓፍ።
ህዝቢ ሓበናት፡ ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት “ኣይንህበኩምን! ባዕልና ኢና ሓመድ ኣዳም ነልብሶም” ኢሉ ንስዉኣት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከይደንጎየ ኣብ ማእከል ዓዲ ቀበሮም። ኣልጋነሸ ትርከቦም ኣብቲ ውግእ ብተሓኤ ዝተማረኹ ደቂ’ታ ሓይሊ ድማ፡ ካብ ኣቝርደት ቤት ማእሰርቲ ተሓኤ ሃዲሞም ኣብ ከባቢ ሓጋዝ ናብ ኣሃዱኦም ���ጸንበሩ።
ድሕሪ ኩነታት ውግእ ሕድሕድ ሓበናት፡ በጦሎኒና ናብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ ስለ ዝተጠርነፈት፡ ሕክምና በጦሎኒና ኣብ ዓዲኻንታ ብምዃን ውጉኣትና ንቕበል ነይርና። ማእከልነታት በጦሎኒና ሓደ (በርሀ ባህታ) ብመስዋእቲ፣ ቫይናክ ድማ ብመውጋእቲ ካባና ስለ ዝተፈለዩ፡ ሓደስቲ ሓለፍቲ እዮም ተመዲቦምና። ሻግራይ ማእከልነት በጦሎኒ፣ ትንሱእ ሃይለ (ወዲ ሃይለ) ኮሚሳር በጦሎኒ ኮይኖም ተመዲቦምና። ሽዑ፡ ጸላኢ ቀዳማይ ወራር ንምክያድ ዝወጣወጠሉ ዝነበረ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኢሳያስ ወዲፍላንሳ (ሓላፊ ግንባር ዓዲቐይሕ) ኣብ በራኽ ታባ ዓዲኻንታ ኮይኑ እንተላይ ነቲ ብግርሁ ስርናይ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ይከታተሎ ነበረ። ካብ ጸላ��� ዝተጠልፈ ሓበሬታ ወሲዱ’ውን ነቶም ኣብ ግርሁ ስርናይ ዝዋግኡ ዝነበሩ ብጾትና ሓበሬታ ይምግቦም ነበረ።
ገለ ካብቲ ወዲፍላንሳ ካብ ጠለፋ ረኺቡ ንግንባር ግርሁ ስርናይ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ ጸላኢ ንሓደ ኣብቲ ተጋደልቲ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ዓዲ ንዝነበረ ቀሺ ከም ስለያ (ኣቀባባሊ ሓበሬታ) ይጥቀመሉ ነበሩ። እቲ ሰላዪ፡ “ወንበዴታት ኣብታ ቤተክርስትያን ኣ��ዉ” ኢሉ ሓበሬታ ከም ዘቐበለ ኣብ ረድዮ ርክብ ክዘራረቡ ተሰምዐ፣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸላኢ ነታ ቤተክርስትያን ክድምሰሳ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ንብጾትና ጽጹይ ሓበሬታ ብምሃብ፡ ወዲፍላንሳ ኣብ ከባቢ ቤተክርስትያን ዘለዉ ተጋደልቲ ክርሕቁ ይሕብሮም ነበረ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ’ውን ከነዝልቕ ምዃንና ተሓቢሩና። በቲ ዝነበረ ሓበሬታ መሰረት፡ ኩነታት ናይቲ ውግእ ኣሰካፊ ነበረ።
ካብ ደቡብ ከነዝልቕ ምስ ጀመርና ሕማቕ ዘይተሰምዖ ተጋዳላይ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ካብቲ ኹሉ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ቦታታትን ከተማታትን፣ ከምኡ’ውን መቓብር ስዉኣትና ገዲፍና ናብቲ መበገሲ ገድልና ክንምለስ፡ ስምዒትካ ክትጸውር ከቢድ ነበረ። የግዳ��� ንድሕነት ሰውራና ተባሂሉ ተሓሲቡሉ ስለ ዝተወሰነ ኣማራጺ ኣይነበረን።
ካብ ዓዲኻንታ ንምዝላቕ ክንብገስ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ንሕና ተጋደልቲ፡ ብኣንጻሩ ኣቦታትን ኣደታትን ዓዲኻንታ ኣተባቢዖም ኣፋነዉና። ካብተን ዝዝከራኒ ሞራል ዘስነቓ ኣደታት ናይታ ዓዲ፡ ኣደይ ምርጋጻ፡ ኣሞይ ንብላ ዝነበርና ሰይቲ ፍላንሳን። ኣደታት፡ ብሓፈሻ ምስ ነበርቲ ናይታ ዓዲ፡ “ቻው! ቻው! ኣብ ዓወት የራኽበና!” ተበሃሂልና ከይድና።
ብፍላይ ካብ ሰገነይቲ ተሰሪዕና ከነዝልቕ ከለና፡ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ዝበላና ካብ ሓንጎለይ ኣይሃሰሰን። “ደቀይ ጋሻ ውሕጅ ክመጽእ ከሎ ኣልግስ ኢኻ ተብለሉ። ነቲ ውሕጅ በብቝሩብ ከናሌታት እናገበርካ ኢኻ ተዳኽሞ። ምስ ተዳኸመልካ ድማ ነቲ ዝገደፍካዮ ትምለሶ። ስለ’ዚ ጽባሕ ክትምለሱና ኢኹም!” ኢለን ኣፋንየናና።
እቲ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ 12 ዓመትና ናብ ደቡብ ተመሊስና፡ ሕክምና ክ/ሰ 70 ንሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዓዲ ካንታ ደኲና ምስቲ ህዝቢ ዳግም ተራኺብና። እታ ዓዲ ብዕልልታ ተቐቢላትና።
ካብ ከባቢ ዓዲቐይሕ ናብ ባረንቱ ኢና ወሪድና። ኢብራሂም ዓፋ (ወዲዓፋ) ኣብ ሓጋዝ ጸኒሑና። ኣብኡ ብርጌድ 31 ነይሮም። ምስኣቶምን ምስ ገለ ካብ ክፍልታትን ንዝነበረና ሃጓፋት መሊእና ተወዳዲብና ናብ ኣረዳ ኣምሪሕና። ብሻንብቆ ዝሰገረ ሓይሊ ጸላኢ ንተጋድሎ ሓርነትን ንእንዳ ሳበን ደፊኡዎም ናይ ሎጂስቲክስ ትሕዝቶኦም ብምሉኡ ኣግዲፉዎም ናብ ከባቢ ኣረዳ ወሪዱ ጸኒሑና። ካብኡ እናከብከብና ናብ ባረንቱ ናብቲ ከባቢ ከተማ ኣገምጊምናዮ። ሕክምናና፡ ኣረዳ ንየማን ገዲፍና፡ ንውሽጢ ኣብ ሓደ ዓቢ ጋግ (ሃጓፍ መሬት) ዒላ ጥልያን ኣብ ዘላታ ቦታ ኴንና ውጉኣትና ንቕበል ነይርና።
ሓለፍትና፡ ካብ ኣረዳ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ነቲ ኵነታት ይመርሑዎ ስለ ዝነበሩ፡ ድሃይ ንምግባርን ኩነታት ንምዕዛብን ናብኦም ደየብኩ። ክራማት ስለ ዝነበረ ጀለም ዝብል ማይ እናሃረመ በቲ ልሙዕ ሳዕርን ኣግራብን ጠሓሒሰ ኣብኣቶም በጻሕኩ። ብኣጋጣሚ ናብኡ ምስ ከድኩ፡ ሓንቲ መስርዕ “ውግእ ስለ ዘለና ሓኪም ስደዱልና” ኢላ ስለ ዝጠለበት፡ ኣቕሑ መሐከሚ ሳንጣይ ሒዘ ናብቲ ዓውደውግእ ገጽ ቀሪበ ነቲ ቍሱል ተረከብኩዎ።
እቲ ውጉእ፡ መስበርቲ ዓጽሚ ሰለፍ ስለ ዘጋጠሞ ቀሊል ዘይኮነ መቝሰልቲ እዩ። ምስ ተሓጋጋዚየይ ነዚ ውጉእ ሓዚልና፡ ኣብ ሓደ ውሑስ ዝበልናዮ ቦታ ኣዕሪፍና ረዲኤት ክንህቦ ጀመርና። መድመይቱ ተቖጻጺረ ኢንፍዩዥን ብምሃብ ሓገዝ እናገበርናሉ ግዜ መሰየ። እናጸልመተ ምስ ምኻዱ፡ ተዅሲ’ውን ጸጥ ኢሉ ባህ ዘይብል ኣጠራጣሪ ኵነታት ተኸስተ። ምኽንያቱ፡ ክንሰምዖ ዝጀመርና ምቅብባል ዘረባ ኣምሓርኛ ብምዃኑ፡ ድምጽና ሓቢእና ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ኣብታ ስንጭሮ ጸናሕና። ምናልባት እቲ ኵነታት ተቐያይሩ ብጾትና ስሒቦም እንተኾይኖም፡ ካብቲ ከባቢ ንምዝላቕ ካብ ጸልማት ለይቲ ምጥቃም ዝበልጽ መንገዲ የለን። ከይተደናጎና ኣሰር ብጾትና ምስዓብ ተመራጺ ምዃኑ ስለ ዝተረዳዳእና፡ “ሕጂ ንበገስ” ኢልና ነቐልና።
ጸላኢ ከይረኽበና ምስ ብዙሕ ጥንቃቐ ነቲ ባህርያዊ መሰ���ኽል ሓሊፍና ኣንፈትና ሓሊና ንድሕሪት ተጐዓዝና። ኣብ መወዳእታ ብጾትና ዝዓረዱሉ ቦታ ክንበጽሕ፡ ነቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብቕድመኦም ኣቶናዮም። ማለት በቲ ጸላኢ ክመጽኦ ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣብ ምክትታል ሓለዋ ዘእተዉዎ ኣንፈት። ኣነ ውጉእ ሓዚለ ብጻየይ ድማ ዕጥቂ ብረትን ሳንጣን ሒዙ ደርገፍ እናበልና ምስ ተጸጋዕናዮም፡ “መን!፧” ብምባል ልጓም ብረት ኣብ ምኽፋት ቀርማሕማሕ ኣበሉልና። መንነትና ምስ ገለጽናሎም ተቐቢሎምና።
ካብቶም ሓለፍትን ካብተን ሓይልታትን ውጉእ ሒዝና ምስ ተፈለና እዩ ሓድሽ ናይ ምዝላቕ መምርሒ ተዋሂቡ። ተጋድሎ ሓርነት ካብ ጸሊም ጽርግያ ንምዕራብ ነይሮም። ጸላኢ ኣንፈት መጥቃዕቱ ናብኣቶም ብምዛር፡ ታንክታቱ በቲ ቁልቁል ጽርግያ ወሪደን ንቕድሚት ክግስግሳ ተራእየን። ብጻይ ስዉእ ኢብራሂም ዓፋ ንምዕባለን ሰንኮፍ ኣተሓሕዛ ተሓኤን ምስ ተኸታተለ’ዩ፡ “ያላ ኣዝልቑ!” ዝብል መምርሒ ሂቡ።
ይቕጽል
ተጋ/ይ ኣፈወርቂ በርሀ
ምም/ርን ፋይናንስን ��/ሪ ጥዕና ዞ/ ጋሽ ባርካ

Watch & Follow #Eritrean #SemharGhebreab The new generation diaspora youth combating entrenched German oppressive attitude on Eritrea. Keep on pressing #Semhar.
The baton is with you #Eritrea #Women
#EmpoweredWomen @PatrickHeinisc1 https://t.co/9zAbLNn2Dj
Eritrean Tigre wedding 🇪🇷🤵🏿♂️👰🏿💍❤️
#Eritrea #Eritreanwedding #Eritreanlove #Eritreanculture #Tigre #Tigrayit #Hababa #Semhar #Beja #Beniamer #Ghinda #Nakfa #Massawa #Nefasit
https://t.co/zXDqHjsFd5
Eritrean Saho wedding in Eritrea 🇪🇷🇪🇷🇪🇷☪️
#Eritrea #Eritreanculture #Saho #Eritreansaho #Cushtic #Semhar #Akeleguzai #Senafe #Adulis #Eritreanmuslims
On January 17-18, 1989, #EPLF launched a military operation on Ethiopian army stationed in #Semhar (Northern Red Sea Region of #Eritrea), and the largest tank battle of the war was fought on the north Semhar plain below the Eastern Escarpment (Semenawi Bahri). Thirty-seven #Ethiopian tanks were destroyed and the #EPLF moved its lines to within striking distance of #Massawa. The Battle proved EPLF's mechanized forces capabilities and EPLF's superior fire power.

@reda_getachew Dear @reda_getachew where is #Semhar? #Justice4ZewduHaftu
The women of Tigray sacrificed their precious lives for peace, dignity and Justice of Tigrayans.
When I grow up, I want to be a Medical Doctor to help patients and then President of WHO. I am so impressed with the energy, the intelligence and commitment to S&T that I saw. Our youths will lead the world #Eritrea

@Abraxaxs should I just come up on stage since we quoting #Semhar all day today? 😂#NoAshySouls. Gotta hydrate your mind and moisturize your spirit!! #9AMinLondon
Vanmiddag #omgevingsspel gespeeld met afdeling #risicobeheersing @BrandweerAA om inzicht te krijgen in #omgevingswet. Nu lekker happie doen bij restaurant #semhar om de hoek bij #kazernehendrik 🙏

The secret 2 #EPLF success was its #unpredictability. When #Ethiopian army expected #Keren front would be attacked, the almighty EPLF fighters showed up in #Semhar 2 dismantle the colonial army in 3 days. Long live the #martyrs who sacrificed their life 4 this victory! #Eritrea
"From Lucca, To London, To Milan, To New York: #Semhar 🙅🏾
Siamo arrivati alla fine della prima stagione di... https://t.co/REMDuZeFVx
Last Seen Hashtags on Sotwe
MESUTKAYA
Seen from United States
whererulily
Seen from France
猫島スピカ
Seen from United States
mamahmuda
Seen from Indonesia
遙かなる時空のなかで5
Seen from United States
Nayanthara
Seen from United Kingdom
鞋交
Seen from United States
drojette
Seen from Italy
musclegod
Seen from South Africa
FolsomStreet
Seen from Saudi Arabia
Trends for you
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
241.7M followers

Barack Obama 
@barackobama
119M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.5M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.9M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
107.2M followers

Rihanna 
@rihanna
98.7M followers

NASA 
@nasa
92.4M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.8M followers

KATY PERRY 
@katyperry
90M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
84M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.5M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.5M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.9M followers

YouTube 
@youtube
68.8M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.5M followers

Bill Gates 
@billgates
65.2M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63.1M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.3M followers

CNN 
@cnn
61.8M followers

X 
@x
60.7M followers





















