Top Tweets for #sewra
The #Sewra factory's newly developed infusion injection first proved viable in practical testing when scientists #Marco_Dugard and #Senay_Kifleyesus voluntarily self-administered it without adverse effects.
ፋብሪካ መድሃኒት ኣብ ሰውራ
ታሽዓይን መወዳእታን ክፋል
ኢንፍዩዥን ዘፍሪ መሳርሒ ���ግብሪ ተፈቲኑ ዕዉት ኰይኑ። የግዳስ እዚ ንፈለማ እዋን ተመስሪሑ ንኣገልግሎት ድሉው ዝዀነ ኢንፍዩዥን፡ ኣብ ክንዲ ፈዋሲ ቀታሊ ከይከውን ፈለማ ብግብሪ ክፍተን ነይሩዎ። ኣብ ምንታይ ደኣሉ’ሞ ክፍተን? ኣብ እንስሳዶ ኣብ ሰብ?
��ብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከባ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላትን ምርምር፡ ሓድሽ መድሃኒት ክምህዛ እንከለዋ፡ ፈለማ ምስ ደቂ-ሰብ ስነ-ህይወታዊ ተመሳሳልነት ኣለወን ኣብ ዝበሃላ ከም ኣንጭዋን ማንቲለን ዝኣመሰላ እንስሳታት’የን ፈተነ ዘካይዳሉ። እዚ ግን፡ ኣብ ሜዳ ቀሊል ኣይኰነን። ቅድሚ ኩሉ፡ ነተን ንምርምር ዘገልግላ እንስሳታት ተኸናኺንካ ምፍራይ፡ ብድሕሪኡ ነታ ኢንፍዩዥን ኣብ ነብሰን እትፍትነሉ ነብሱ ዝኸኣለ ምዕቡል መሳርሒታትን ካልእ ሰነ-ፍልጠታዊ ረቓሒታትን ዝጠልብ ሕልኽላኽ መስርሕ ዝሓትት’ዩ። ንባዕላ ነታ ኢንፍዩዥን ምፍራይ ንጋዳ ኣብ ዝዀነሉ ጽንኩር ናይ ቃልሲ ኵነት፡ ሓድሽ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ፈቲ���ካ ብቕዓቱ ከተረጋግጽ ኣብቲ ግዜ ዝከኣል ኣይነበረን። እሞ’ዚ ካብ ዘይተኻእለ ደኣ፡ እዚ ህይወት ሰብ ከ��ሕኑ ኢሎም ዝሰርሑዎ መድሃኒት ፈዋስነቱ ከየረጋገጹ፡ እንታይ ተኣማሚኖም’ዮም ኣብ ኣገልግሎት ከውዕሉዎ? ነዚ ከሰርር ድዩ ክቐትል ዘየፍለጠ ኢንፍዩዥን፡ ኣብ ክቡር ህይወት ሰብ ፈተነ ከተካይደሉ ይትረፍ፡ ንኽትሓስቦ’ውን ንሕልናኻ’ዩ ዝፈታትን። በዚ ዀይኑ በቲ ግን፡ እዚ መድሃኒት ብቕዓቱ ብግብራዊ ፈተነ ክረጋገጽ ግድን’ዩ ዝነበረ።
ንመረጋገጺ “ደረጃ ብቕዓት’ ተባሂለን ዝተዳለዋ ክልተ ኮንተነይራት ነይረን።
ነቲ መስርሕ ዘድሊ መሳለጥያታት ዝተማላኣለን ብዘይ ምንባረን ኢንፍዩዥን ኣብ ስራሕ ኣይጀመረን። እቶም ክኢላታት ፋርማሲ፡ ነቲ ዝፈረየ ኢንፍዩዥን ኣብ ጥቓኦም ናብ ዝነበረ ሆስፒታል እሮታ ብምውሳድ፡ ነቶም ኣብኡ ���ሰርሑ ሓካይም ምስ ኣርኣዩዎም፡ እቶም ሓካይም ሓጐሶም ክቈጻጸሩ ኣይከኣሉን። እቲ “ብኸመይ ይፈተን?” ዝብል ሕቶ ግን፡ ኣማራጺ ፍታሕ ዘይብሉ ናይ ሓባር ሕቶ ኰይኑ ቀጸለ። ብፍላይ እቶም ካብ ፈለማኡ ከይተሓለሉ ክጽዕሩ ዝጸንሑ ክኢላታት ፋርማሲ፡ ክንዲ’ቲ ሕልሞም ጋህዲ ኰይኑ ኣብ ሜዳ ዝፈረየ ኢንፍዩዥን ብዓይኖም ክርእዩን ብኢዶም ክድህስሱን ዝተሰመዖም ጥርዚ ባህታን ኵርዓትን፡ በቲ ሕቶ ተዋጢሮም ፍናኖም ባይታ ዘበጠ። ዝን ኢሎም፡ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝበልዎ ሓሳባት እናኣጋማድሑ ከለዉ፡ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሮ ምሒር ምድንጋጽ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ እቲ ዝተሰርሐ ኢንፍዩዥን ዘሕደረሉ ርእሰ-ምትእምማን ደሪኹዎ ሃንደበት ዘመንጨዎ ሓሳብ፡ ነቲ ስቕታ ሰቢሩ ኣቓልቦኦም ሰሓበ።
ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ብብቕዓት ናይዚ ኢንፍዩዥን ስለ ዘይጠራጠር፡ “ደሓን ኣብ ነብሰይ ይፈ���ን” ክብል ብርእሰ-ምትእምማን ተዛረበ። ክኢላ ፋርማሲ ሰናይ ክፍለእየሱስ ድማ፡ ሓላፊ ናይ ኩለን ፋርማሲታት ስለ ዝነበረ፡ “ኣነ’የ ሓላፍነት ክወስድ ዘለኒ። ስለዚ፡ እዚ ኢንፍዩዥን ኣብ ነብሰይ ክፍተን ኣለዎ፡ ” በለ። ንስኻ እንታይ ገበርካ��� ብዘስምዕ ቃና። ‘ንስኻ ጽናሕ፡ ኣነ ክሓልፍ’ መትከል ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር’ዩ።
“ሽሕ ይሙቱ፡ ሓላዊ ሽሕ ኣይሙት፡ ” ዝብል ብሂል፡ ተጋዳላይ ኣብ ሰውራ ኣይሰርሕን እዩ። እቲ ሓድሽ ዝተሰርሐ ኢንፍዩዥን፡ ቅድሚ ናብ ሽሕ ምዝርግሑ ብኣላዪ ሽሕ ክፍተን ተመርጸ። ንዶክተር ማርኮ ሓዊስካ ብዓል ሰናይን ምስግናን ዝርከብዎም ክኢላታት ፋርማሲ፡ ኣባይ ይፈተን! ኣይፋልካን! ኣባይ ደኣ. . .! ክበሃሃሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲን ፋርማሲስት ሰናይ ክፍለየሱስን ክፍተን ኣብ ምርድዳእ ተበጽሐ።
ብኡ መሰረት፡ ሰናይን ዶክተር ማርኮን፡ ነተን ናይ ፈለማ ኢንፍዩዥን ኣብ ነብሶም ክፍትኑወን ሰራውር ደሞም ተወግኡ። ኣብ ነ���ሶም እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ንምክትታል፡ ብዓል ምስግና ዝርከቡዎም ክኢላታት ናብኣቶም ዓጎጉ። ሓድሽ ኢንፍዩዥን፡ ካብ ዝተንጠልጠለ ከረጺታት ብነጠብጣብ ናብ ሰራውር ደም እቶም በጃ ክዀኑ ዝተዳለዉ ክኢላታት ክውሕዝ ጀመረ። ረስኒ ኣካላቶም እናሻዕ እናተዓቀነን ካልእ ሕክምናዊ መርመራ እናተገብረሎምን ንኣስታት ክልተ ሰዓት ምስ ጸንሑ፡ ከረጺታት ኢንፍዩዥን ትሕዝቶአን ጸንቀቓ። ኣብ ውሽጣዊ ይዅን ግዳማዊ ኣካላቶም ዝተራእየ ዝዀነ ኣሉታዊ ምልክታት ኣይነበረን። በዚ ድማ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ፈተነ ዕዉት ኰነ።
እቶም ክኢላታት ግን፡ ብእኡ ጥራይ ክተኣማመኑ ስለ ዘይከኣሉ፡ ዳግማይ ፈተነ ከካይዱ ወሰኑ። ኣብዚ ካልኣይ ፈተነ፡ ምስግና ተኽለኣብን ኪዳነ ኣብርሃን ተዳለዉ። ብኸምቲ ናይ መጀመርታ ኣገባብ ፈተነ ተኻየደሎም። ሽዑ’ውን ኣብ ነብሶም ዝማዕበለ ኣሉታዊ ሳዕቤን ወይ ዘሰክፍ ምልክታት ኣይተራእየን። ምስግና፡ ሰናይን ካልኦት ብጾቶምን፡ ባዕሎም ዘፍረይዎ ኢንፍዩዥን ብዓይኖም ክርእይዎን ብኢዶም ክድህስሱዎን ብምብቅዖ���፡ ነቲ ኣብ 1975፡ ሓደ ብጻዮም ተሰኪምዎ ዝነበረ ባኮ ምሉእ ኢፍዩዥን 70 ሜትሮ ንቑልቁል ኣንከራርዩ ብምዝሕዛሑ ኣዒንቶም ንብዓት ዝቛጸረሉ ጽንኩር መድረኽ እናዘከሩ፡ ንሓድሕዶም ባህታ ብዝዓሰሎ ፍሽኽታ ተጠማሚቶም ተሓቛቘፋ። በዚ ከኣ፡ ኣብቲ ህልም ዝበለ በረኻታት ሳሕል፡ ምስ ባህርን ጸላኢን እ���ተረባረቡ ኣብ ዓመት ክሳብ 140,000 ሊትሮ ኢንፍዩዥን ከፍርዩ በቕዑ።

ፋብሪካ መድሃኒት ኣብ ሰውራ
ሻምናይ ክፋል
እተን ሰለስተ ኮንተይነራት፡ ብውሽጠን ንሓድሕደን ከም ዝራኸባ ኰይነን ብቕርጺ ፊደል ‘በ’ ተገጣጠማ። እቲ ቐንዲ ናይ መፍረ መሳርሒታትን ነቲ መስርሕ ዝሕግዝ ካልእ መሳለጥያታትን ድማ፡ ኣብአን ተተኽለ። እተን ዝተረፋ ክልተ ኮንተይነራት ከአ፡ ምቍጽጻር ደረጃ ብቕዓት (quality control) ዝካየደለን ክዀና ተወሰነ። እዚ ኹሉ ምስ ተዳለወ፡ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ ኣብታ “ክመጽእ’ዩ” ዝተበሃለላ ዕለት ደበኽ በለ። ኣብ ዘይርጉእ ኵነታትን ካብ ምዕባለ ዝማሕደገ ጸምጸም በረኻን፡ ነቲ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ኢንፍዩዥን ዘፍሪ መሳርሒ ክትከለሉ ��ተዋደደ፡ ንኹሉ ስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ኣማሊኡ ብኮንተይነር ዝተሰርሐ ህንጻ ምስ ተዓዘበ፡ “መስተንክራዊ ምህዞ!” ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹሎም። ኣብ ምዕዋት እቲ መደብ ድቃስ ስኢኖም ክጽዕቱ ዝጸንሑ ኣባላት ኣሃዱ ፋርማሲ ከአ፡ ኣብ ድርኩኺት ዓወት ከም ዝበጽሑ ዘበሰረ ደወል ኰይኑ ተሰመዖም።
ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ዝመጽአ መሳርሒታት መፍረ-ኢንፍዩዥን፡ ምስ ዓቕሚን ኵነታትን ውድብ ብዝሳኣነ መንገዲ ኣብ ዝተሰነዓ ኮንተይነራት ብቐሊሉ ክትከል ነበሮ። ግና ምስ ቁመትን ስፍሓትን ናይቲ ኮንተይነራት ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ፡ ካልእ ዘይተሓስበ ሃልክን ተበለሓትነትን ዝሓትት ዕማም ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ከአ ማሺናት ኣብ ዝተዋደደሉ ክፍሊ ኣትዩ፡ ዝልሓም እናተላሕመ፡ ዝልቀብ እናተለቀበ ንስራሕ ድሉው ኰነ። እቲ ብወለንታኡ ክተሓጋገዞም ዝመጽአ ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ኣብ ሜዳ ክጸንሓሉ ዝኽእል መዓልታት ኣዝዩ ሓጺር ብምንባሩ፡ ናብ ሃገሩ ከይተመልሰ እንከሎ፡ እቲ ንዓመታት ሃንቀው ክብሉሉ ዝጸንሑ መሳርሒ፡ ኢንፍዩዥን ከፍሪ ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ብግብሪ ክፍተን ነበሮ።
ኣባላት ኣሃዱ ፋርማሲ፡ እቲ ካብ ባኮ ወጺኡ ዝተተኽለ መሳርሒ ኣረጊት ብምንባሩ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ፈተነ ስክፍታታት ነይሩዎም’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ካልእ ኣማራጺ ���ለ ዘይነበረ፡ “ግድን ተበላሒትና ከነስርሖ ኣለና።” ዝብል ኒሕን ሓቦን ሰኒቖም፡ ኣብ ምዕራፉ ከብጽሕዎ ኣንቀዱ። መሳርሒ ተገጣጢሙ ንፈተነ ድልው’ኳ እንተ ዀነ፡ ምስኡ ክማላእ ዝግብኦ ስርሓት ህንጻ ተጀሚሩ ደኣ’ምበር ኣይተጻፈፈን። ኣሃዱ ምደባ ደረጃ ብቕዓት’ውን፡ ገና ስርሑ ኣይጀመረን። ግና ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ ��ለት ስለ ዝቐረበ፡ ንሱ እንከሎ ፈተነ መፍረ-ኢንፍዩዥን ክካየድ ናይ ግድን ኰነ። ኣብ ቅድሚኡ ክፍተን ዝተደልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ምናልባት እቲ ፈተነ እንተ ዘይተዓዊቱ፡ እቲ ከዐውት ዘይከአለ ኣካል ናይቲ ማሽን ክልለ’ሞ፡ ንሱ ምስ ተመልሰ ካብ ኤውሮጳ ምእንቲ ክልእከሎም ነበረ።
ብዝዀነ ናብ ናይ ፈተነ ስራሕ ምስ ተአተወ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተፈርሐ ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣጋጠመ። እቲ ጸገም ካብ ጀነረይተር ጀመረ። እታ ጀነረይተር ኣዝያ ኣረጊት ኰይና ሓንሳብ ተቋርጽ ስለ ዝነበረት ኣጸጊማቶም ነበረት። ናታ ጸገም ግን ብቐሊሉ ተፈትሐ። ዝበዝሐ ትሕዝቶ ኢንፊዩዥን ማይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ስራሕ ምስ ተጀመረ ፈለማ ዘጋጠመ ቀንዲ ጸገም፡ ዋሕዲ ነቲ ኢንፍዩዥን ዘገልግል ዝመኸነ ማይ ነበረ። እዚ ማይ’ዚ፡ ናብ ሰራውር ደም ሰብ ዝኣቱ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ውሽጣዊን ግዳማዊን ብከላ ናጻ ኰይኑ ክምስራሕ ነበሮ። ከምኡ ክኸውን እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ማይ ብብዝሒ ክህሉ ኣድላዪ እዩ። እዚ ግን፡ ምስ ክሊማን ባህሪን ሳሕል ነብሱ ዝኸኣለ ብድሆ’ዩ። ኣብ ዓሬርብ፡ ብቐጻሊ ካብ ወሓይዝ ዝርከብ ማይ ስለ ዘየለ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ፡ ካብ ዒላታት ዝርከብ ማይ ምጥቃም ነበረ። ንሱ’ውን፡ ውሑድ ብተወሳኺ ድማ፡ ጨዋም ስለ ዝዀነ፡ ንኢንፍዩዥን ዘገልግል ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ዝመጸ ሓሳብ፡ ካብ ሰማይ ዝዘንብ ማይ ኣብ ሓደ ዲጋ ብምውህላል፡ እኹልን ካብ ጨዋምነት ናጻ ዝዀነን ጽሩይ ማይ ምጥቃም ነበረ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ዝወጠንካዮ መደባት ብዙሕ ዕንቅፋት ከጋጥሞ ንቡር እዩ። ዲጋ ምስራሕ’ውን ንሓደጋ ነፋሪት ጸላኢ ቃልዕ ኰይኑ ተረኽበ። ኩሉ ኣማራጺታት ድሕሪ ምፍታሽ ከአ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኣብ ኣዶብሓ ዝነበረት፡ “ንዓኣ ንጠቀም፡” ተባህለ። ማይ ካብዛ ዒላ ናብ ቦጥ ምስ ተመልአ፡ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምድሓ���፡ ብለይቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ሰዓታት ተጓዒዙ ወጋሕታ’ዩ ናብቲ ቦታ ክበጽሕ።
ንኢንፍዩዥን ዝኸውን ማይ፡ ብ ‘ዲስትሌሽን’ ማለት፡ ብምዕቡል ረስኒ ፈሊሑ ናብ ሃፋ ምስ ተቐየረ፡ ነቲ ሃፋ ኣዝሒሉ ናብ ጽሩይ ማይ ብዝቕይር መሳርሒ’ዩ ዝፈሪ። እንተዀነ፡ እታ ነዚ እትገብር መሳርሒት፡ ኣብ ላባራቶሪ ንዘድሊ ቅልል ዝበለ ስራሕ ደኣ’ምበር፡ ንኸም��� ዝበለ ብርቱዕ ጸዓት ዝሓትት ስራሕ ተባሂላ ዝተሰርሐት ኣይነበረትን። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣዝዩ ትሑት ብቕዓት ዘለዋ ነበረት። ጀነረይተር ተወሊዑላ ምሉእ መዓልቲ (12 ሰዓታት) “ዓገግ. . . ክትብል ውዒላ፡ ካብ 20 ሊትሮ ዘይሓልፍ ማይ ጥራይ’ያ ከተምክን ትኽእል ዝነበረት። እቲ ዘጋጠመ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ሕልኽላኻት ተሰጊሩ፡ ዕዉት ፈተነ ዝካየደሉ ግዜ ኣኸለ።
ቅድሚ ፈተነ፡ እተን ኮንተይነራት ብዝግባእ ጸረያ። ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲን ካልኦት ዝምልከቶም ሞያውያንን ጥራይ ናብ ውሽጠን ኣተዉ። ንኹሉ መዓጹን መሳኹትን ከኣ ዓጸውዎ። እቶም ኣብ ደገ ዝተረፉ ካልኦት ሞያውያን ብጾቶም ከይከፍቱዎ ብጥብቂ ተነግሮም። ብድሕሪ’ዚ ብዓ�� ዶክተር ማርኮ ዱጃርዲ፡ ብዘይ መግቢን ማይን ን36 ሰዓታት ተዓጽዮም ትንፋስ ኣብ ዘይህብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸምዱ። እታ መምከኒት ማሽን ምሉእ መዓልቲ ከም ንብዓት ጥብ! ጥብ! እናበለት ኣዋህሊላ ዝሃበቶም 20 ሊትሮ ዝመክን ማይ፡ ዘድሊ ቀመማት ተዋሂብዎ፡ ምስናይ ስክፍታኡ ክፍተን ናብ ዝተዳለወ መሳርሒ ኣተወ። ግቡእ ስነ-ፍልጠታዊ መስርሕ ሓልዩ ኣብ ፕላስቲክ ከረጺት ዝተዓ��ገ ኢንፍዩዥን፡ ቀዳማይ መስርሕ ወዲኡ ንምምካን ተዳለወ። ኣብ ሓደ ኣረጊት መምከኒ ማሽን ኣውቶ- ክሌቭ ኣትዩ ዝተወሰነሉ ናይ ዑደት ግዜ ምስ ወድአ ድማ ተኸፍተ። የግዳስ ክመክን ካብ ዝኣተወ ከረጺታት ፍርቁ ተተኲሱ ጸንሐ። እተን ካብ ምትኳስ ዝደሓና 15 ዝኾና ግና፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ዝፈረያ ናይ መጀመርታ ኢንፍዩዥን ኰይነን ብፍሉይ ተሰነዳ።

@RIMEY1991 @Nadish1120 @Semadit4eri @EriPrism This clip of the God blessed children of Eritrea during the Liberation War of Eritrea is without music but with the original voices of Teacher and children's.
Sewra will never end 🇪🇷 🇪🇷
#Eritrea #EritreaPrevails
#BetmhirtiSewra #SEWRA
@EriPrism
@itsEritrea Such good leaders aren’t born, but definitely they are made! #Sewra - Eritrea created such genuine excellence from scratch based on a daily basis & challenges it has faced! They can read & smell their enemies a thousand mile away, those are role models & has to be imitated! 🇪🇷👌🏼
#Eritrea 2022 project visit @elementary #Sewra school in #Asmara next projects are coming soon @eritrea_EHD

R.I.H ragtag #TPLFTerroristGroup - You looked into western designed mirror and you thought you're a lion.
#Shabia is here to teach you #Sewra lessons again and again and again......
#Eritrea #Ethiopia #EthiopiaPrevails #EritreaPrevails

FYI #SEWRA WILL NEVER END AND WILL CONTINOUS AS LONG THE WORLD EXISTS
#Eritrea #Eritreaisnot4sale
#Eritreastillstandstilltall #AgainstAllOdds
#Eritreawillneverkneeldown
ዓወት ንሓፋሽ!

#FULLSTAR #GENERAL #KUBUR #SebhatEfrem with Children of Kiyeh Imbaba in liberated Areas, in time of Eritrean Liberation Struggle
ዓወት ንሓፋሽ! ✊🏿🇪🇷 ✊🏿
#Eritrea
#Sewra
#KiyehImbaba
#EPLF
#Shaebia

#Eritrea
#Eritreashinesat29
#EritreaShinesAt2020
#HappyIndependenceday
#HappyIndependencemonth
#24may1991
#HizbawiGinbar
#EPLF
#Sewra
#History
Still standing tall
Awet'n'Hafash ✊🇪🇷✊
Today we showed solidarity with #SudanUprising #eritrea |ns stand with #sudan to end dictatorship in the Horn of Africa! We say #yiakl #kifaya #sewra #IAmSudanRevolution ✊🏾🇪🇷🇸🇩

@fishat @KbryDmt @KidaneAida @Eritrean_EPLF @Eritrea_Hanti @Selkid @thedailyvox @meronina @shaazzeea @ElsaChyrum @meroniania Here is your medicine 🇪🇷🇪🇷
Last Seen Hashtags on Sotwe
minichatt(****)(*****)(*****)(*****)(******)* filter:videos
Seen from United States
tgirl
Seen from United States
Teenage() filter:videos since:2026-09-19
Seen from United States
MGAI
Seen from Canada
bitch
Seen from India
incestomãefilho
Seen from Brazil
snapchat()****** filter:videos
Seen from Chile
ไซด์ไลน์สุรินทร์
Seen from Thailand
teachercrush
Seen from United Arab Emirates
anxiouspanda
Seen from Korea
Trends for you
Most Popular Users

Elon Musk 
@elonmusk
241.5M followers

Barack Obama 
@barackobama
118.8M followers

Cristiano Ronaldo 
@cristiano
114.5M followers

Donald J. Trump 
@realdonaldtrump
111.9M followers

Narendra Modi 
@narendramodi
107.1M followers

Rihanna 
@rihanna
98.7M followers

NASA 
@nasa
92.3M followers

Justin Bieber 
@justinbieber
91.8M followers

KATY PERRY 
@katyperry
90M followers

Taylor Swift 
@taylorswift13
84M followers

Lady Gaga 
@ladygaga
75.5M followers

Virat Kohli 
@imvkohli
73.5M followers

Kim Kardashian 
@kimkardashian
70.9M followers

YouTube 
@youtube
68.8M followers

Neymar Jr 
@neymarjr
66.5M followers

Bill Gates 
@billgates
65.2M followers

Selena Gomez 
@selenagomez
63.1M followers

The Ellen Show
@theellenshow
62.2M followers

CNN 
@cnn
61.7M followers

X 
@x
60.7M followers

















